ካብዛ ገጽ ቀልጢፍካ ውጻእ!
ሓገዝ ምሕታት

ምስጢር

Sekretess och tystnadsplikt - tigrinska

ኣብ ክፍልታት ክንክን ትረኽቦም ሰራሕተኛታት ብዛዕባኻ ምስ ካልእ ሰብ ክዛረቡ ወይ ኣብቲ ክፍሊ ዝተመዝገበ ሓበሬታ ከውጽኡ ክልኩል እዩ። እዚ ምዕቓብ ምስጢር ይበሃል። ምዕቓብ ምስጢር ንኹሎም ኣብ ናይ ክንክን ጥዕና ዝሰርሑ ይምልከት።

En vårdanställd säger till en person att hen lovar att inte berätta för någon. Emoji med blixtlås som mun. Illustration.

ምስጢር ምዕቓብ ንኩሉ ዝተዛረብካዮን ኩሉ ብዛዕባኻ ኣብ መዝገብካ ዝተጻሕፈን ይምልከት። ምዕቓብ ምስጢር ንውልቐ ሰብን ንሰበ ስልጣናትን ይምልከት። ነዚ ሕጊ ዘይተኸተለ ሰራሕተኛ ገበን ይፍጽምን ኣብ ቤት ፍርዲ ክፍረድ ይኽእልን።

ምዕቓብ ምስጢር ንኹሎም ትረኽቦም ሰራሕተኛታት ይምልከት

ምዕቓብ ምስጢር ንኹሎም ኣብ ክንክን ጥዕናን ሕክምናን ንዝሰርሑ ሰባት ይምልከት፣ ዋላ’ውን ጸሓፍቲ ወይ ተቐባል ጋሻን ተርጓምን። ብዛዕባኻ ዝኾነ ክዛረቡ ኣይፍቐደሎምን።

እቲ ትረኽቦ ሰብ ንጥዕናኻ ኣገዳሲ እንተ ኾይኑ ጥራይ ብዛዕባኻ ምስ ካልኦት ሰራሕተኛታት  ክዛረብ ይፍቐደሉ። እቶም ኣብ ናትካ ክንክን ቀጥታዊ ርክብ ዘለዎም ጥራይ ድማ ንመዝገብካ ከንብብዎ ይፍቐደሎም።

ንዓኻ ዝሃሲ እንተ ኾይኑ ሰራሕተኛ ምስ ካልኦት ሰበ ስልጣን ክራኸቡ ኣይፍቐደሎምን እዩ። ዋላ’ውን መንበሪ ፍቓድ ኣይሃሉኻ ክንክን ጥዕና ክትሓትት ትኽእል ኢኻ። ሰራሕተኛ ክንክን ጥዕና ኣበይ ከም ዘለኻ ንፖሊስ ክነግሩ ኣይፍቐደሎምን እዩ።

ምዕቓብ ምስጢር ክገሃስ ይኽእል’ዶ ?

ኣብዞም ዝስዕብ ኩነታት ሰራሕተኛ ንምዕቓብ ምስጢር ክግህስ ይኽእል፣

  • ንስኻ ባዕልኻ ይኹን ኢልካ ምስ ትሰማማዕ። ሰራሕተኛታት እንታይ ክብሉ ከም ትደልዮም ባዕልኻ ክትነግሮም ትኽእል። ንኣብነት ኣብ ሕክምና ደቒስካ ምስ ትህሉን ትፈልጦ ሰብ ናብኡ ምስ ዝድውለልካን።
  • ትሕቲ 18 ዓመት ምስ ትኸውን ሰራሕተኛታት ሓደ ሓደ ጊዜ ኣብ ልዕሌኻ ሓላፍነት ንዘሎዎ ዓቢ ሰብ ክራኸቡ የድልዮም። ንኣብነት ዝያዳ ክንክን ንምርካብ ናብ ሕክምና ምኻድ የድልየካ እንተኾይኑ።
  • ትሕቲ 18 ዓመት ምስ ትኸውን እቶም ሰራሕተኛታት ድማ ብዝኾነ  መንገዲ ኣብ ሓደጋ ኣሎኻ ኢሎም ምስ ዝኣምኑ። ንኣብነት ንገበን ወይ ንጥዕናኻ ሃሳዩ ዝኾነ ነገር ተቓሊዕካ ምስ ትኸውን፣ እቶም ሰራሕተኛታት ዝያዳ ሓገዝ መታን ክትረክብ ምስ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ርክብ ይገብሩ። ብመሰረት ሕጊ እቶም ሰራሕታኛታት ከምኡ ክገብሩ ኣሎዎም።
  • ስራሕተኛታት ኣብያተ ሕክምናታት ዓመት ወይ ልዕሊኡ ናይ ማእሰርቲ መቕጻዕቲ ዘለዎ ገበን ፈጺምካ ወይ ኣብ ልዕሌኻ ተፈጺሙ ኢሎም እንተ ኣሚኖም ንፖሊስ ክነግሩ ይኽእሉ።

ወለደይ መዓስ እዩ ሓበሬታ ናይ ምርካብ መሰል ዘለዎም ?

ትሕቲ 18 ዓመት ምስ ትኸውን እቶም ናትካ ሓላፍነት ዘሎዎም ዓበይቲ ሰባት ብዛዕባኻ ሓበሬታ ምርካብን ኣብ ሓደ ሓደ ነገራት ኣብ ምውሳንን መሰል ኣለዎም። ንኣብነት ዓበይቲ ሕክምናዊ መርመራታት ፣ ክንክንን ፍወሳን። በቲ ሓበሬታ ንክትብደል ተኽእሎታት እንተሎ ግና ሰራሕተኛታት ነቶም ዓበይቲ ሰባት ክራኸብዎም ኣይፍቀድን እዩ።

ካብ ወላዲኻ (ሞጕዚትካ) ሓገዝ ክትረክብ ዘይትኽእል እንተ ኾንካ ንስኻ ባዕልኻ ምስ ትኣምኖ ሰብ ክትዘራረብ ትኽእል። ንኣብነት ጥንሲ ክትንጽሊን ንወለድኺ ድማ ክትነግሪ ምስ ዘይትደልይን። ኣብ ከምዚ ኩነታት ምስ ኣማኻሪ (ኩራቱር) ቤት ትምህርቲ ወይ ምስ ካልእ ሓገዝ ክህበኪ ዝኽእል እኹል ሰብ ክትዘራረቢ ትኽእሊ።

ብዛዕባ ምዕቓብ ምስጢሪ ሕቶ ምስ ዝህልወካ ኣብቲ ክፍሊ ክንክን ክትሓትት ትኽእል።

To the top of the page