ካብዛ ገጽ ቀልጢፍካ ውጻእ!
ሓገዝ ምሕታት

Ungdomsmottagning

Ungdomsmottagning - tigrinska

ብዛዕባ ኣካላትካ፣ስጋዊ ርክብን መከላኸሊ ጥንስን ሕቶታት እንተሎካ ኾይኑ ናብ ungdomsmottagning ክትከይድ ትኽእል። ከምኡ’ውን ሕማቕ እንተተሰምዑካን ምስ ዝኾነ ሰብ ክትዛረብ ምስ እትደሊን ናብዚ ቦታ ምኻድ ይከኣል።

Tre ungdomar sitter i ett väntrum på en ungdomsmottagning. Illustration.

Ungdomsmottagning ክሊኒክ መንእሰያት ኮይኑ ዝተፈላለየ ሓገዝ እትረኽበሉ ቦታ  እዩ። ናብዚ ክሊኒክ እዚ ካብ መበል 12-13 ዕድመ  ክሳብ 20- 25 ዕድመ ዘሎ ግዜ ክትከይድ ትኽእል። እዚ ካብ ክሊኒክ ናብ ክሊኒክ ይፈላለ እዩ። እዚ ክትረኽቦም ናይ እትኽእል ሓገዛት ኣብነት እዩ፡

   ከምኡውን ኣብ መብዛሕትኡ ናይ መንእሰያት ክሊኒካት ኮንዶም ክትረክብ ትኽእል።

ናብ undgdomsmottagning ምኻድ ክንደይ ይኽፈሎ?

ትሕቲ 18 ዓመት እንተኾንካ ብዘይ ዝኾነ ክፍሊት ነጻ ኣገልግሎት ትረክብ። ኣብ መብዛሕትአን ክሊኒካት ዋላ’ውን ልዕሊ 18 ዓመት እንተኾንካ ኣይክፈሎን እዩ። ኣብ ገለ ክሊኒካት ድማ ልክዕ ከምቲ ኣብ vårdcentral ዝኽፈል ዋጋ ትኸፍል።

መከላኸሊ ጥንሲ ወይ ካልእ መድሃኒት ብሓኪም ምስ ዝእዘዘካ፣ ነቲ መድሃኒት ክትወስዶ ከለኻ ኣብ ፋርማሲ ትኸፍል። ሓደ ሓኪም ዝኣዘዞ መድሃኒት (recept)ሓበሬታ ካብ እቲ ክሊኒክ ናብ ፋርማሲ እዩ። 

ኣብ መብዛሕተን ክሊኒክ መንእሰያት መከላከሊ ጥንሲ ብነጻ እዩ፡  ኣብ ኵሉ ግን ኣይኮነን። 

ናብ Ungdomsmottagning ክኸይድ ምስ ዝደሊ ከመይ ክገብር?

ናብ ዝኾነ ኣብ መላእ ሃገር ዝርከባ ungdomsmottagning ክትከይድ ትኽእል። እቲ ልሙድ ደዊልካ ቆጸራ ብምሓዝ እዩ። መብዛሕተአን ክሊኒካት ሓደ መዓልቲ ኣብ ሰሙን ብዘይ ቆጸራ ዝኽየደሉ መዓልቲ ኣለወን። እዚ ድማ drop-in ይበሃል።

ዝኽፈተሉ ሰዓታት

ገለ ungdomsmottagning ኣብ ናይ ስራሕ መዓልታት (ካብ ሰኑይ ክሳዕ ዓርቢ) ክፉታት እየን። እተን ዝተረፋ ከኣ ሰሙናዊ ፍሉይ ናይ ስራሕ ሰዓታት ኣሎወን።

ናብ መን ክኸይድ ኣለኒ?

ኣብ ክሊኒክ መንእሰያት ዝተፈላለዩ ሰብ ሞያ ይሰርሑ። መወለዳን፣ kurator (ስነ-ኣእምሮኣዊ ከመይ ከም ዝስምዓካ ዘሎ እትነግሮ ሰብ) ኣብ ኩሉ ክሊኒካት ይርከቡ ፣ ዳርጋ ኵሉ ግዜ ድማ ሓደ ሓኪም ኣሎ። 

ናብኡ ክትከይድ ከለኻ ነየናይ በዓል ሞያ ክትረክብ ከምዘለካ ምፍላጥ ኣየድልየካን እዩ። ካብቲ መጀመርታ ዘዛራረብካዮ ሰብ ሓገዝ ክትረክብ ኢኻ። 

ናብቲ ክሊኒክ ምኻደይ ዝኮነ ሰብ ክፈልጥ ይኽእል ድዩ?

ኵሎም ኣብ ኣገልግሎት ጥዕና ዝሰርሑ ሰባት ምስጢር ናይ ምዕቃብ ግዴታ ኣለዎም። ዝኾነ ኣብኡ ዝሰርሕ ሰብ ንስኻ ኣብቲ ክሊኒክ ከም ዝኸድካን እንታይ ከም ዝተዛረብካን ክነግር ኣይፍቀዶን እዩ።

ኣብዚ ብዝያዳ ብዛዕባ ግዴታ ምስጢር ምዕቃብ ከተንብብ ትኽእል።

ካልኦት ክትከዶም እትኽእል ቦታታት

ናብ ናይ መንእሰያት ክሊኒክ ክትከይድ እንተዘይኪኢልካ ወይ እንተዘይደሊኻ ናብዚ ዝስዕብ ቦታታት ክትከይድ ትኽእል።

  • Vårdcentral ።
  • ተመሃራይ እንተኾንካ ናብ skolsköterska ወይ skolkurator ።
  • ኣብ ዩኒቨርስቲ ወይ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ እንተለኻ ከኣ ናብ studenthälsan ።
  • መከላኸሊ ጥንሲ እንተደሊኺ ኸኣ ናብ barnmorskemottagning (ማእከል መወለዳን) ።

ተወሳኺ ኣብ Youmo

ዓንቀጽ

መከላኸሊ ጥንሲ

ጥንሲ ንምውጋድ ክትገብርዮም ትኽእሊ ብዙሓት ኣገባባት ኣለዉ። ኣብዚ ዝስዕብ ስእላዊ መግለጺ እቶም ልሙዳት መከላኸሊ ጥንሲ ክትርእዪ ትኽእሊ።

ዓንቀጽ

ፊልም - ሓደ ከቢድ ራዕዲዶ ኣጋጢሙካ ይፈልጥ?

ሓደ ከቢድ ራዕዲዶ ኣጋጢሙኩም ይፈልጥ? ከምኡ እንተዀይኑ፡ ንነዊሕ ጊዜ ብድሕሪኡ’ውን እቲ ራዕዲ ክስምዓኩም ይኽእል እዩ።

ዓንቀጽ

ብጾታዊ ርክባት ዝተሓላለፉ ሕማማት

ጾታዊ ሕማማት፡ እቶም ምስ ሰብ ጾታዊ-ርክብ ምስ ገበርካ ዝለግቡኻ እዮም። ጾታዊ-ሕማም ለጊቡኒ ይኸውን ’ዩ ኢልካ ምስ ትጥርጥር፤ ምርመራ ግበር። ክሕግዘካ ዚኽእል መድሃኒታት ኣሎ። እዚ መድሃኒታት፤ ብዙሕ ጊዜ ብነጻ ዚወሃብ እዩ።

ዓንቀጽ

ምኽርታት ጽቡቕ ንምድቓስ

ጽብቕ ጥዕና ንኽህልወካ ጽብቕ ክትድቕስ ኣገዳሲ እዩ። ሓደ ሓደ ግዜ ሕማቕ ምድቓስ ግን ልሙድ እዩ። እዚ ንኣብነት ተጨኒቕካ ወይ ተሻቒልካ ስለ ዘሎኻ ክኸውን ይኽእል። ኣብዚ ጽብቕ ንክትድቕስ እንታይ ክትገብር ከም ዘለካን ኣየናይ ሓገዝ ክትረክብ ከም ትኽእልን ክትፈልጥ ትኽእል።

To the top of the page