ካብዛ ገጽ ቀልጢፍካ ውጻእ!
ግብረ-ስጋ

ጾታዊ ርክብ ምሻጥ - ወይ ጾታዊ ርክብ ፈጺምካ ገለ ነገር ምቕባል

Sälja sex - att ha sex och få något för det - tigrinska

ጾታዊ ርክብ ምሻጥ ማለት፤ ካብ ሓደ ሰብ ገንዘብ ንምቕባል፤ ጾታዊ ኣገልግሎት ምሃብ ማለት ’ዩ።ብድሌትካ ትገብሮ ክኸውን ይኽእል’ዩ፤ ወይ ብኣስገዳድ ትገብሮ ዘሎኻ’ውን ክኸውን ይኽእል’ዩ።ከምዚ ነገር ’ዚ ኣጋጢሙካ እንተ ደኣ ኰይኑ፤ ሓገዝን ደገፍን ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

En person som tagit emot en betalning via mobilen. Illustration.

ጾታዊ ኣገልግሎት ሂብኪ፤ ብገንዘብ ዘይኰነስ ዋላኳ ብኻልእ ዓይነት ዓስብኺ እንተ ተቐበልኪ፤ ንሱ’ውን ጾታዊ ርክብ ምሻጥ እዩ። እዚ ድማ ንኣብነት፤መደቀሲ ክትረኽቢ፡ሞባይል ቴሌፎን ክግዝኣልኪ፡ መግቢ ክትበልዒ፡ ሓሽሽ ክትቅበሊ፡ ክዳን ክግዝኣልኪ ወይ ስራሕ ኽትቁጸሪ’ውን ክኸውን ይኽእል እዩ።

ሰብ ስለምንታይ ጾታዊ ርክብ ይሸይጥ?

ገለ ሰባት፡ እታ ሓንቲ ነቲ ድሌተን ክረኽባላ ዚኽእላ እንኮ ኣገባብ፤ ንሳ ጥራይ ኰይና ስለ እትስምዐን እዩ። ንኣብነት፡ ገንዘብ ወይ መደቀሲ ገዛ ንምርካብ ክኸውን ይኽእል እዩ።ገለ ሰባት ድማ፤ ብናይ ኣስገዳድነት ወይ ኣስዳዕነት ኩነታት ዝገብርኦ ነገር እዩ። ገለ ካልኦት ሰባት ድማ፤ ምናልባት እታ ነቲ ዝደልይኦ ነገር ክረኽባላ ዚኽእላ ዝቐለለት ኣገባብ፤ ንሳ እያ ኢለን ብምሕሳበን ክኸውን ይኽእል እዩ።

ጾታዊ ርክብ  ብምሻጥኪ፤ ከመይ ክስመዓኪ ይኽእል?

ጾታዊ ርክብ ብምሻጥ ክስምዓካ ዚኽእል ሃለዋት ነንበይኑ ክኸውን ይኽእል’ዩ። እቲ ልሙድ ነገር ግን፤ ጾታዊ ርክብ  ክትሸይጥ ከሎኻ፤ ብምስጢር ኢኻ እትገብሮ። ስለዚ ድማ ናይ ጽምዋን ናይ ምንጻልን ስምዒት ይህልወካ።
ብዙሓት ሰባት ጾታዊ ርክብ  ምስ ሸጣ፤ ኣዝዩ ሕማቕ ስምዒት ‘ዩ ዝፈጥረለን። ንሓደ ዘይደለኻዮ ነገር፡ ተገዲድካ ትገብሮ ከም ዘሎኻ ምስ ዚስመዓካ፤ ትፈርህ፡ ከም ግዳይን ዓቕመ-ኣልቦን ኴንካ ይስመዓካ። 

ሓገዝን ደገፍን ክትረኽቢ ትኽእሊ ኢኺ

እንተ ደኣ ጾታዊ ርክብ  ሼጥኪ፤ ንሓደ ሰብ ክትነግሪ ጽቡቕ እዩ። ነቲ ነገር ብምስጢር ዘይምሓዝካ፤ ጽቡቕ ስምዒት ይፈጥረልካ እዩ። 

እንታይ ክትነግሪን፡ ንመን ክትነግሪን ከም እትደልዪ፡ ባዕልኺ ኢኻ ትውስኒ። ንኣብነት እቲ ትነግርዮ ሰብ፡ ንሓንቲ ኣብ መቐበል መንእሰያት ungdomsmottagning እትሰርሕ ሰብ ክትከውን ትኽእል እያ። ካብቲ ናይ ኣመንዝርነት ህይወት መታን ክተቋርጺ ሓገዝ፤ መታን ጽቡቕ ክስምዓኪ ድማ ደገፍ፤ ክትረኽቢ ትኽእሊ ኢኺ።

ጾታዊ ሕማማት könssjukdomar ከይለግበኪ ወይ ጥንሲ graviditet ንኸይትሕዚ ትሻቐሊ ምስ ትህልዊ ውን፤ ሓገዝ ክትረኽቢ ትኽእሊ ኢኺ። ናብ ገለ ቦታታት ድማ፤ መንነትኪ ከይተፈልጠ ብምስጢር ክትድውሊ ወይ ርክብ ክትገብርሉ እትኽእሊ፤ ናይ ኢንተርነት ኣድራሻታት ኣሎ።

መግቢ ንኽትበልዒ ወይ ኣብ ገለ ቦታ መደቀሲ ንኽወሃበኪ፤ ጾታዊ ርክብ ምሻጥ ብፍጹም ኣይከድልየክን እዩ። ብዛዕባ ከምዚ ሓገዝ ምስ ትድልዪ፤ ምስ ቤትስልጣን ማሕበራዊ ጉዳያት (socialtjänstenርክብ ግበሪ።

ጾታዊ ኣገልግሎት ምዕዳግ ዘይሕጋዊ እዩ

ንሓንቲ ሰብ ገንዘብ ከፊልካ ወይ ካልእ ዓይነት ዓስቢታት ሂብካ ጾትዊ ርክብ ከምትሸይጥ ምግባር፤ ብሕጊ ክልኩል እዩ። እንታይ ዓይነታት ጾታዊ ርክብ ምዃኑ ብዘየገድስ፤ ኣበይ ቦታ ከም ዝተፈጸመ ወይ መን ከም ዝኸፍል ብዘየገድስ፤ እቲ ተግባር ገበን እዩ። እቲ ጾታዊ ርክብ ዝዕድግ፤ ናይ ገንዘብ ወይ ናይ ማእሰርቲ ማቕጻዕቲ ይፍረዶ እዩ። ዋላ ‘ውን እቲ ሰብ፡ ኣታሊሉ ከይከፈለ እንተ ኸደ፤ ነቲ ገበን ፈጺምዎ እዩ።  

ነቲ ገበን ኣዝዩ ከቢድ ዝገብሮ፤ ካብ ሓንቲ ትሕቲ 18 ዝዕድሚኣ ቆልዓ ጾታዊ ርክብ ምዕዳግ እዩ።

ንስኺ ከይደለኺ ከሎኺ፤ ሓደ ሰብ ምሳኺ ጾታዊ ርክብ ምስ ዚገብር፤ እዚ ጾታዊ-ዓመጽ ምፍጻም‘ዩ (sexuellt övergrepp) ። ዋላ ‘ኳ ኣብቲ መጀመርታ ሕራይ  እንተ በልኪ፤ ጸኒሕኪ ግን ክትጠዓሲ መሰል ኣሎኪ።

ንስኺ ጾታዊ ርክብ ብምሻጥኪ ገንዘብ ዚቕበል ሰብ ምስ ዚህሉ፤ እቲ ሰብ’ውን ናይ ኣቃጣሪነት ገበን ይፍጽም ኣሎ። እዚ ማለት ድማ፡ ሓደ ሰብ ንኣብነት፡ ንኻልእ ሰብ ምሳኺ ጾታዊ ርክብ ንኽገብር ኢሉ ምስ ዘዳልወሉ እዩ። 

ጾታዊ ርክብ ምሻጥ ኣብ ሃገር ሽወደን፤ ከም ገበን ኣይቁጸርን እዩ። ንስኺ ጾታዊ ርክብ ጌርኪ ገንዘብ ብምቕባልኪ ወይ ካልእ ዓስቢ ብምርካብኪ፤ ገበናዊ ስራሕ ኣይፈጸምክን ዘሎኺ። 

ከፊሉ ምሳኺ ጾታዊ ርክብ ንዝፈጸመ፡ ናብ ፖሊስ ክትከስዮ ይክኣል‘ዩ 

ነቲ ንዓኺ ገንዘብ ወይ ካልእ ዓስቢ ሂቡ፤ ምሳኺ ጾታዊ ርክብ ዝፈጸመ ሰብ፤ ናብ ፖሊስ ክትከስዮ (polisanmäla) ትኽእሊ ኢኺ። ናብ ፖሊስ ክሲ ምቕራብ፤ ብብዙሕ ምኽንያታት ጽቡቕ ክኸውን ይኽእል እዩ።

  • ንዓኺ ጽቡቕ ከም ዚስምዓኪ ክገብር ስለ ዚኽእል
  • እቲ ሰብ ካብ ካልኦት ጾታዊ ርክብ ካብ ምዕዳግ ክዓግቶ ስለ ዚኽእል
  • እቲ ገንዘብ ከፊሉ ርክብ ጾታዊ ዝፈጸመ ሰብ ክቕጻዕ ስለ ዚኽእል 
  • ናይ ጕድኣትኪ-ካሕሳ ክትቅበሊ መሰል ክህልወኪ ስለ ዚኽእል እዩ። ናይጕድኣት-ካሕሳ ማለት፤ ገንዘብ ይወሃበኪ ማለት እዩ።

ተወሳኺ ኣብ Youmo

ዓንቀጽ

ፊልም: ሕጂ ጾታዊ ርክብ ምሻጥን ድሮጋ ምውሳድን ገዲፈዮ እየ

እዚ ጽሑፉ ብሓደ መንእሰይ ተጻሒፉ ናብ Youmo ዝተላእከ እዮ::

ዓንቀጽ

ናብ ፖሊስ ምምልካት

ንስካ ዝፈጸምካዮ ዝኾነ ዓይነት ገበን ምስ ዚህሉ ወይ ምስክር ናይ ዚኾነ ገበን ምስ እትኸውን ናብ ፖሊስ ክተመልክት ይግበኣካ።

ዓንቀጽ

ክንክን-ሕማም ምስ ዘድልየካ ከምዚ ግበር

ኩሎም እቶም ኣብ ሽወደን ዝነብሩ ሰባት፤ ኣብቲ ዘድልዮም እዋን ክንክን-ሕማም ክረኽቡ መሰሎም እዩ። ንዓኻ ወይ ንኻልእሰብ፡ ንህይወት ዘስግእ ድንገት ወይ ህጹጽ ሕማም ምስ ዘጋጥም፤ ናብ ቁጽሪ 112 ደውል።

To the top of the page