ካብዛ ገጽ ቀልጢፍካ ውጻእ!
ኣካላት

መከላኸሊ ጽግያት

Mensskydd - tigrinska

ኣርባዕተ ዝተፈላለዩ ክግዝኡ ዝኽእሉ መከላኸሊ ጽግያት ኣለዉ፣ ሞዴስ፣ ንእስ ዝበለ ሞዴስ፣ ታምፖን፣ ናይ ጽግያት ኩባያን ድማ ይበሃሉ። ኵሎም ብጀካ ናይ ጽግያት ኩባያ ኣብ ናይ መግቢ ዱካውንቲ፣ ኣብ ኪዮስክታትን ፋርማስታትን ይርከብ። ናይ ጽግያት ኩባያ ብመንገዲ ኢንተርነትን ኣብ ገለ ገለ ፋርማስታትን ክግዛእ ይከኣል።

ሞዴስ (Binda)

ሞዴስ ነቲ ደም ይመጽዮ።  እቲ ሞዴስ ኣብ ሙታንቲ ይኸውን።  ነቲ ሞዴስ ኣብ ቦትኡ ዝሕዞ ብሓደ ወገኑ  ኮላ ኣለዎ።    ዝተፈላለየ  ዓቐን ሞዴስ ኣሎ።   ዝበዝሓ ደቂ ኣንስትዮ ኣብተን ቀዳሞት መዓልታት ጽግያት ደጋጊመን ሞዴስ ምቕያር የድልየን።  ነቲ ሞዴስ ንነዊሕ ግዜ እንተ ተጠቂምኩሉ ክጨኑን ከዝሩቕን ይጅምር።

En binda utan blod. Illustration.

ንእስ ዝበለ ሞዴስ (Trosskydd)

እዚ ከም ሞዴስ ኴይኑ ግና ንእስ ዝበለ እዩ።  ኣብ ምውዳእ ናይ ጽግያት ቍሩብ ደም ጥራይ ኣብ ዝመጸሉ ጊዜ ክትጥቐምሉ ትኽእሊ። ገሊኣተን ምናልባት ታምፖን ምስ መልአ ደም ናብ ሙታንቲ ከይዞርቕ ኣብ ልዕሊ ታምፖን ንእስ ዝበለ ሞዴስ ይጥቐማ። 

ታምፖን (Tampong)

ሓደ ታምፖን ኣብ ውሽጢ ብልዕቲ ተእትውዮ።  እዚ ደም ንግዳም ንኸይወጽእ ይመጽዮ።   ታምፖን ጌርኪ ክትሕጸብን ስፖርት ክትገብርን ትኽእሊ።

ዝተፈላለየ  ዓቐን  ኣሎ። እንተ ብዙሕ ትደምዪ ኾይንኪ ዓቢ ታምፖን ተጠቐሚ። ዋላ ጾታዊ ርክብ ጌርኪ ዘይትፈልጢ ኩኒ ታምፖን ክትጥቐሚ ትኽእሊ ኢኺ።

Tre tamponger utanför sina förpackningar. Illustration.

ብኸምዚ ኣገባብ ንሓደ ታምፖን ተእትውዮ

መጀመርያ እዋን ታምፖን ትፍትንሉ ግዜ ብዙሕ ጽግያት ኣብ ዘጋጥመኪ ግዜ ግበርዮ፡ ምኽንያቱ ሽዕኡ ብቐሊሊ ንውሽጢ ክኣትወልኪ ሰለ ዝኽእል። ሽዑ ንእሽተይ ዓቐኑ ምረጺ። ነእጋርኪ ፍንትት ኣቢልኪ ተዀይጥኪ ኮፍ እንተ ኢልኪ ብቐሊሉ ክኣትወልኪ ይኽእል።

  • የእዳውኪ ተሓጺብኪ ኣንቕጽዮ።
  • ንታምፖን ዝሽፍን ጎማ እለይዮ።
  • እቲ ቑጻር ዘይብሉ ጫፍ እዩ ናብ ከፋት ብልዕቲ ዝኣቱ።
  • በታ ታምፖን ዘይሓዘት ኢድኪ ንኸንፈር ብልዕትኺ ጋልህዮ።
  • ንኸፋት ብልዕትኺ ረኺብኪ ንታምፖን ኣእትውዮ።
  • ብልዕቲ ንድሕሪት ገጹ ዝቐነነ ስለ ዝኾነ እቲ ታምፖን ቍሩብ ንድሕሪት ገጹ  ክኣቱ ኣለዎ።  ቍሩብ ሕዝ ከብል ይኽእል እዩ፡ ግን ዝኾነ ኣካል ብዝኾነ ይኹን መገዲ ዝጉዳእ የለን።
  • እቲ ታምፖን ውሽጢ ኣብ ብልዕቲ ክኸውን ኣለዎ።  በቲ ሓደ ወገን ዘሎ ቑጻር ከኣ ንደገ ጠልጠል ክብል ኣለዎ።  እቲ ታምፖን ክስምዓኪ የብሉን።  እንተ ይስምዓኪ ኣሎ ኾይኑ ብዝያዳ ንውሽጢ ድፍእዮ።  ቍሩብ ንውሽጢ ክትደፍእዮ ፈትኒ። ባዕሉ ንደገ ክወጽእን ኣብ ውሽጢ ኣካላት ክጠፍእ ኣይክእልን እዩ።
Snippan i genomskärning från sidan så att det syns hur tampongen sitter i slidan. Utsatt med pilar finns livmoder, slida, tampong och slidöppning. Illustration.

ኣብ ከክንደይ ግዜ ታምፖን ክቕይር ኣሎኒ?

ታምፖን ብደም ክመልእ ጀሚሩ ኣብ ትብልሉ ግዜ ቐይርዮ። ሽዑ ነታ ገመድ ክትስሕብያ ከለኺ ብቐሊሉ ክወጽእ ይኽእል። እንተ ንምውጻእ ተሪሩ ግን ንቑጽ ኣሎ ማለት ስለ ዝኾነ ምቕያር ኣየድልየክን እዩ።

ታምፖን ምስ ኣውጻእክዮ ኣብ ናይ ሽቓቕ ወረቐት ጠቕሊልኪ ኣብ ናይ ወረቓቕቲ ጎሓፍ ደርብይዮ። 

ታምፖን ኣብ ግዜ ለይቲ ክትጥቀምሉ ትኽእሊ ኢኺ።  ክትድቕሲ ከለኺ ግበርዮ፣ ኣብ ዝተሳእክሉ ከኣ ቀልጢፍኪ ቐይርዮ።  ታምፖን ጌርኪ ክትሕምብሲ ወይ ክትሕጸቢ ትኽእሊ ኢኺ።  ተሓጺብኪ ወይ ሓንቢስኪ ምስ ወዳእኪ ቀይርዮ።

ታምፖን ምውጻእ ክኣቢ ይኽእል’ዶ?

ታምፖን ምውጻእ ክኣቢ ብጣዕሚ ዘይልሙድ እዩ።  ኣብ ኣእጋርኪ ኮፍ ኢልኪ ኣጻብዕኪ ኣእቲኺ  ነቲ ገመድ ወይ ነቲ ታምፖን ሒዝኪ ስሓብዮ። እቲ ታምፖን ምውጻእ እንተ ኣብዩኪ ኣብ ungdomsmottagning ካብ መሕረሲት ሓገዝ ክትረኽቢ ትኽእሊ ኢኺ።

ኩባያዊ ሞዴስ (Menskopp)

ኩባያዊ ሞዴስ ካብ ልስሉስ ጎማ እዩ ዝስራሕ ንብዙሕ ዓመታት ድማ ከገልግል ይኽእል። 

ኣብ ውሽጢ  ብልዕትኺ ኢኺ ተእትውዮ እቲ ደም ከኣ ኣብታ ኩባያ  ይተርፍ።  ኩባያዊ ሞዴስ ካብ ሞዴስ ወይ ታምፖን ንላዕሊ ደም ክሕዝ ይኽእል። 

ኩብያዊ ሞዴስ ጌርኪ ክትሕጸቢ ትኽእሊ ኢኺ።

En hand som håller i en menskopp. Foto.

ንኩባያ ሞዴስ ብኸምዚ ኣገባብ ትጥቀምሉ

እቲ ገፊሕ ክፋሉ እዩ ቀዲሙ ዝኣቱ። ነእጋርኪ ፍንትት ኣቢልኪ ተዀይጥኪ ኮፍ እንተ ኢልኪ ብቐሊሉ ክኣትወልኪ ይኽእል።

  • የእዳውኪ ተሓጸቢ።
  • በታ ኩባያዊ ሞዴስ ዘይሓዘት ኢድኪ ንኸንፈር ብልዕትኺ ጋልህዮ።
  •  ንኩባያዊ ሞዴስ ጭፍልቕ ኣቢልኪ ናብ ውሽጢ ብልዕቲ ኣእትውዮ። ሽዕ ባዕሉ ንከፋት ምሉእ ብምሉእ ንምዕባስ ቕርጺ
    ብጻብዕኪ ነቲ በቲ ሓደ ጫፍ ዘንጊ ክትድህስስዮ ክትክእሊ ኢኺ ግን ንግዳም ክወጽእ የብሉን።

ንኩባያ ሞዴስ ምውጻእ፡ ምኽዓውን ምቕማጥን

ንኸተውጽእዮ በቲ መትሓዚ ስሓብዮ። ነቲ ደም ኣብ ሽቓቕ ክትክዕውዮ ትኽእሊ ኢኺ።

መብዛሕትኡ ግዜ ነቲ ኩባያ ሞዴስ ንመዓልቲ ኣስታት ክልተ ግዜ ክትክዕውዮ እኹል እዩ። ይኹን’ምበር ኣብተን ቀዳሞት መዓልታት ብዙሕ እንተ ደሚኺ፡ ካብኡ ዝበዝሓ ግዜ ምኽዓዉ ከድልየኪ ይኽእል እዩ።

ነቲ ኩባያ ተመሊሲኪ ቅድሚ ናብ ርሕምኺ ምእታውኪ ብዝሑል ወይ ውዑይ ማይ ሕጸብዮ።

ጽግያት ምስ ወዳእኪ ነቲ ኩባያ ሞዴስ ብሳሙናን ማይን ሕጸብዮ። ድሕሪኡ ንሓሙሽተ ደቓይቕ ኣብ ማይ ኣፍልሕዮ። ኣብ ናይ ጨርቂ ከረጺት ወይ ኣየር ዘለዎ ፕላስቲክ ገርኪ ንኣብነት ኣብ ክፍሊ መሕጸብ ሰብነት ዘሎ ከብሒ ኣቐምጥዮ።

ነቲ ኩባያ ሞዴስ ኣብ ርሕሚ ከተእትውዮ ከለኺ ንኣብነት ከምዚ ኣብ ስእሊ ዘሎ ክትዓጽፍዮ ትኽእሊ ኢኺ።

ተወሳኺ ኣብ Youmo

ዓንቀጽ

Ungdomsmottagning

ብዛዕባ ኣካላትካ፣ስጋዊ ርክብን መከላኸሊ ጥንስን ሕቶታት እንተሎካ ኾይኑ ናብ ungdomsmottagning ክትከይድ ትኽእል። ከምኡ’ውን ሕማቕ እንተተሰምዑካን ምስ ዝኾነ ሰብ ክትዛረብ ምስ እትደሊን ናብዚ ቦታ ምኻድ ይከኣል።

ዓንቀጽ

ጽግያት እንታይ እዩ?

ኣብዚ ዝስዕብ ስእላዊ መግለጺ ጽግያት ከጋጥም ከሎ ኣብ ኣካላት ዝረኣዩ ነገራት ክትፈልጢ ኢኺ።

To the top of the page