ካብዛ ገጽ ቀልጢፍካ ውጻእ!
ግብረ-ስጋ

ጾታዊ ባህጊ

Sexlust - tigrinska

እቶም ዝበዝሑ ሰባት ምስ ጾታዊ ባህግን ጾታዊ ድልየት (ስያዐን፡ ጾታዊ ርክብ ክትገብር ምድላይ፡ብሉዕ) ክስምዖ ዝኽእል ኣካላት ይውለዱ። ጾታዊ ባህጊ ኣብ ምሉእ ኣካላትና ክስምዓና ይኽእል። ኣብ ክፍሊ መፍረን ካልኦት ክፋላት ኣካላትናን ደስ ዘብል ስሚዒትን ትርግታን ይስምዓና።

En person sitter med en uppslagen bok men ser ut att tänka på någonting annat och ser glad ut. Illustration.

ገለ ገለ ሰባት ብዛዕባ ጾትዊ ርክብ ብዙሕ ጊዜ ይሓስቡ። ገለ ካልኦት ከኣ ሳሕቲ ጥራይ ይሓስቡ። ኣብ እዋን ጕብዝና ምስ ጾታዊ ርክብ ዝተኣሳሰር ብዙሕ ሓሳባት ምሕሳብ ንብር እዩ። ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ ክትሓስብ ወይ ጾታዊ ባህጊ ክህልወካ ጌጋ ኣይኮነን።

ዝተፈላለየ ብዝሒ ጾታዊ ባህጊ

ኣብ ትዛነየሉ ግዜን ጽብቕ ኣብ ዘለኻሉ ግዜን ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ ክትሓስብ ልሙድ እዩ። ምናልባሽ ምስ ተፍቕራ ጥራይ ጾታዊ ባህጊ ይህልወካ፣ ወይ ከየፍቐርካ ክስምዓክ ይኽእል።  ዝበዝሕ ግዜ ጾታዊ ባህጊ ምህላው ደስ ዘብል ስምዒት እዩ።

ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ ኣብ ኣእምሮኻ ምስልሳል

ኣብ ኣእምሮኻ ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ ምስልሳል ልሙድ እዩ። ገለ ሰባት ምሉእ ታሪኽ ጾታዊ ርክብ ኣብ ኣእምሮኦም ይፈጥሩ። ኣብ ኣእምሮኣዊ ምስልሳል  ነቲ ነገር ኣብ ጉህዶ ክትገብሮ ደሊኻ ኣለኻ ማለት ክኸውን ይኽእል፣ ግና ናይ ግድን ኩምኡ እዩ ማለት ኣይኮነን።  ብዛዕባ ዝደለኻዩ ከተሰላስል ትኽእል ኢኻ። ብዙሓት ንነብሶም እንዳተናኸፉ ሓሳብ ጾታዊ ርክብ የሰላስሉ።

ባዕልኻ ንኣካላትካ ክትፍትሽ ትኽእል ኢኻ

ኣብ ምሉእ ኣካላትና ስምዒታውያን ክፋላት ኣለዉ። የእዳውካ ንኣካላትካ ክድህስስኦ ኣፍቕድ፣ ክትተናኽፎም ደስ ዘብሉ ክፋላት ኣካላት ድማ ኣለሊ።

ብገለ ጾታዊ ርክብ ክትድሰት ከለኻ ኣብ ኣካላትካ ውጥረት ይምዕብል። እዚ ከኣ ደስ ዘብል ስምዒት ይፈጥር።

ኣብ ግብረ ሕብእ ዝብል ኣርእስቲ ብዝያዳ ንነብስኻ ደስ ዘብላ ግበር ዝብል ኣንብብ።

ኣብ ኣካላት እንታይ የጋጥም ?

ጾታዊ ርክብ ክትገብር  ኣብ ትደልየሉ እዋን ብዙሕ ደም ናብ ክፋላት መፍረ የብል። ከናፍር ብልዕቲን ጕድበን ይንፍሑ። ኣብ ውሽጢብልዕቲ  ጠሊ ዝገብር ፈሳሲ ይጅምር። ብልዕቲ ይኽፈትን ዓሙቕ ይኸውንን።

መትሎ ይንፋሕን ተሪር ይኸውንን። ኣስኪት ይጭበጡ። ካብ መትሎ ንርእሲ መትሎ ዘጥልል ሕብሪ ኣልቦ ፈሳሲ ይወጽእ።

ህርመት ልቢ ይቕልጥፍ፣ እስትንፋስ ይቕልጥፍ፣ ቖርበትካ ከኣ ይመውቕ። ኣብ ጥርዚ ስምዒት ምስ ትበጽሕ እሾኻዊ ስምዒት ይገብረልካን ቁሩብ ጽሩውሩው ይብለካን። ዳርጋ መሬት ዝንቀሳቐስ ዘሎ ኮይኑ ይስምዓካ።

ነብስኻ ባዕሉ ስምዒት ክፈጥር ይኽእል

ብዘይ ጾታዊ ድልየት መትሎኻ ክቐንዓካ ወይ ጠሊ ኣብ ርሕሚ ክገብረልኪ ይኽእል። እዚ ንኣብነት ኣብ ጊዜ ምሸት ክትድቕስን ክትሓልምን ከለኻ የጋጥም። እዚ ኣካላትካ ዝለማመደሉ ኣገባብ እዩ።

ሓደ ሓደ ጊዜ ብዘይ ዝኾነ ምኽንያት ጾታዊ ድልየት ክስምዓካ ይኽእል። ብዘይ ዝኾነ ምኽንያት ጾታዊ ድልየት ምስ ዝገብረልካን፣ ርሕምኪ ኣዝዩ ጥሉል ምስ ዝኸውንን ነብስኻ ናይ ገዛእ ርእሱ ሂወት ከም ዘለዎ ኮይኑ ክመስል ይኽእል።

ሓደ ሓደ ጊዜ ጾታዊ ድልየት ይስምዓካ ግና መትሎኻ ኣይቐንዕን፣ ርሕሚ ከኣ ኣይጠልልን ወይ ኣይንፋሕን።  እዚ  ዘይልሙድ ኣይኮነን። እዚ ተጨኒቅካ ወይ ፈሪሕካ ስለዘለኻ ክኸውን ይኽእል።

ባህግን ደስታን ይሕብር

እዚ ፊልም ካብ RFSU እዩ

To the top of the page