ካብዛ ገጽ ቀልጢፍካ ውጻእ!
ሕማቕ እንክስምዓካ

ሕማቕ ክስምዓካ ከሎ

Om du mår dåligt - tigrinska

ኵሉ ሰብ ሓደ ሓደ ግዜ ሕማቕ ይስምዖ እዩ። እዚ ድማ ገለ ሕማቅ ነገር ስለ ዘጋጠመ ወይ ድማ ሓደ ነገር ከመይ ክኸውን እዩ ኢልካ ስለ ትሓስብ ክኸውን ይኽእል እዩ። ሓደ ሓደ ግዜ ግን ስለ ምንታይ ምዃኑ ከይፈለጥካ ሕማቕ ክትህሉ ትኽእል ኢኻ። ምእንቲ ክሕሸካ ባዕልኻ ክትገብሮም ትኽእል ነገራት ኣሎዉ። ንክሕሸካ ሓገዝ እውን ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

En person sitter med huvudet tungt lutat i händerna. Illustration.

እዚ ጽሑፍ ብዛዕባ ስነ ኣእምራዊ ሕማቕ ምህላው እዩ። ስነ-ኣእምሮኣዊ ሕማቕ ምህላው ብሰንኪ ዝኾነ ዘጋጠመካ ነገራት ክኸውን ይኽእል፡ ንኣብነት ጎነጽ ወይ ጾታዊ ዓመጽ ። ብዛዕባ ገለ ነገራት ትሻቐል ስለ ዘሎኻ ሕማቕ ክትህሉ ትኽእል ኢኻ፣ ንኣብነት ብዛዕባ ስድራ ወይ ብዛዕባ ኵነታት መጻኢ ግዜ።

እቲ ልክዕ ምኽንያቱ ከይተረድእካ'ውን ሕማቕ ኽስምዓካ ይኽእል እዩ። ሽሕ’ዃ እንታይ ምዃኑ እንተ ዘይፈለጥካዮ፡ ሓደ ሓደ ግዜ ገለ ምኽንያት ኣለዎ። ገለ ሰባት ድማ ካብ ካልኦት ንላዕሊ ብቐሊሉ ክሻቐሉ ወይ ክጉህዩ ይኽእሉ እዮም።

እዚ ኣብ ኣካላት፡ ኣብ ኵነተ-ኣእምሮን ድቃስን ክርኣ ይኽእል እዩ

ንኣብነት ርእስኻ ከሕመካ ወይ ከብድኻ ከሕመካ ይኽእል። ንኽትዛነን ጽቡቕ ክትድቅስን የጸግመካ። ካብ ንቡር ንላዕሊ ክትጠሚ ወይ ከይትጠሚ ትኽእል። ምናልባት ብቐሊሉ ትሓዝንን ትበክን። ክትሓርቕን ናይ ኣተኵሮ ጸገም ከጋጥመካን እውን ልሙድ ተርእዮ አዩ።

ዋላ'ውን እቲ ዘጋጠመካ ሕማቕ ወይ ሓደገኛ ነገር ቅድሚ ነዊሕ ግዜ ይኹን፡ ከምዚ ክስምዓካ ይኽእል እዩ። ሽዑ ምናልባት ሕማቕ ክስምዓካ ዘይንቡር ኮይኑ ክስምዓካ ይኽእል ። ግን ዘይንብር ወይ ዘይልሙድ ተርእዮ ኣይኮነን ።

ኵሉ ግዜ ሕጉስ ሰብ የለን ። ሓደ ሓደ ግዜ ክትሓዝን ወይ ክትሻቐል ናይ ሂወት ንቡር ባህሪ እዩ።

ንሓደ ሰብ ንገሮ

ምስ ዓርክኻ ወይ ሓደ ትኣምኖ ዓቢ ሰብ ብዛዕባ ከመይ ከም ዘሎኻ ክትዛራብ ፈትን። ብድሕሪኡ መብዛሕትኡ ግዜ ይሕሸካ እዩ። ኣዚዮም ከበድቲ ስምዒታት፡ ንኣብነት ክነብር ሓይሊ የብለይን ዝብል ስሚዒት እንተ ዝስምዓካ ኮይኑ ንሓደ ሰብ ክትነግሮ ኣገዳሲ እዩ።

ሓደ ሓደ ግዜ ምስ ዘይትፈልጦ ሰብን ከይተረኣኣኻን ክትዛረብ ዝቐለለ እዩ። ሕማቕ እንተ ኣለኻ ዄንካ፡ኣብዚ ናይቶም ብተሌፎን ክትራኸቦም፡ ብተሌፎንን ኮምፕዩተር ከተዘራርቦምን (chatt) ኢ-መይል ክትሰደሎምን ትኽእል ዝርዝር ናይ ቦታታት ኣሎ (ብሽወደንኛ ኣብ UMO.se)።

ምኽሪ፣ ንኽሕሸካ ዝግበሩ ነገራት

ብዝያዳ ዝሓየልካ፡ ዝተሓጐስካን ዝሃዳእካን ኾይኑ ንኽስምዓካ ክትገብሮም ትኽእል ሓደ ሓደ ነገራት ኣብዚ እንሆ፤

  • ተንቐሳቐስ፣ ንኣብነት ስፖርት ምስራሕ ወይ ብእግርኻ ምኻድ ።
  • ጽብቕ ምግቢ ተመገብ። ዝተፈላለየ ዓይነታት ምግቢ ብዙሕ ፉሩታታትን ኣሕምልትን ምምጋብ ጽብቕ እዩ። እንተ ኽኢልካ መዓልታዊ ቍርሲ፡ ምሳሕ፡ ድራርን ኣብ ሞንጎ ጠዓሞትን ብላዕ።
  • እኹል ድቃስ ክትድቅስ ፈትን ። እቲ ዝበለጸ ኣብ ግዜ ለይቲ ምድቃስ እዩ ።
  • ትፈትዎ ነገራት ግበር፣ ምስ ትፈትዎም ሰባት ተዘናጋዕ።

እዚኦም ነገራት ነቶም ክትገብሮም ትደሊ ነገራት ንምግባሮም የቃልሉልካ እዮም።

ኣልኮላዊ መስተ ምስታይ ወይ ካልኦት ድሮጋታት ምጥቓም ጽብቕ ኣይኮነን ። ካብቲ ዘለኻዮ ከግድደልካ ይኽእል እዩ ።

ሓደሓደ ግዜ ብውልቅኻ ንኽሕሸካ ገለ ምፍታን ቀሊል ክኸውን ይኽእል እዩ ። ሓደሓደ ግዜ ግና ዝኸበደ ክኸውን ይኽእል፡ ንኣብነት ኣዝዩ ከቢድ ነገር ምስ ዘጋጥመካ።

ኣዚኻ ሕማቕ እንተ'ሎኻ ኾንካ ሓገዝ ሕተት

ንነዊሕ ግዜ ሕማቕ እንተ'ሎኻ ኾንካ ወይ ኣዚኻ ሕማቕ እንተ'ሎኻ ኾንካ ሓገዝ ክትሓትት ኣለካ ። ንኣብነት ምስ ungdomsmottagningvårdcentral ወይ barn- och ungdomspsykiatrin (bup) ተራኸብ። ተምሃራይ እንተ ኾንካ ካብ skolsköterskan ወይ skolkuratorn ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል።

ንስኻ ወይ ካልእ ሰብ ኣዚኹም ሕማቕ እንተ'ሎኹም ኾንኩም እሞ ብቕልጡፍ ሓገዝ እንተ ደሊኹም ናብ 112 ደውል ወይ ምስ psykiatrisk akutmottagning ተራኸብ። ናበይ ከም ትኸይድ ንምፍላጥ ናብ 1177 ደውል ።

እንተ ኣድልዩካ ካብ ትፈልጦ ሰብ ሓገዝ ሕተት ።

ተወሳኺ ኣብ Youmo

ዓንቀጽ

ፊልም - ሓደ ከቢድ ራዕዲዶ ኣጋጢሙካ ይፈልጥ?

ሓደ ከቢድ ራዕዲዶ ኣጋጢሙኩም ይፈልጥ? ከምኡ እንተዀይኑ፡ ንነዊሕ ጊዜ ብድሕሪኡ’ውን እቲ ራዕዲ ክስምዓኩም ይኽእል እዩ።

ዓንቀጽ

ፊልም - መታን ጽቡቕ ክስመዓካ ገለ ምኽሪታት እንሆ

ንስኻ ጽቡቕ ጥዕና ንኽስምዓካ መታን ክትሕጐስን ሓይሊ ክትረክብ’ውን ክትክእል፤ ባዕልኻ ክትገብሮም እትኽእል ነንበይኖም ብዙሓት ነገራት ከም ዘሎዉ ትፈልጥዶ? ኣብዚ ዚስዕብ ኣርባዕተ ምኽሪታት እንሆ!

ዓንቀጽ

Ungdomsmottagning

ብዛዕባ ኣካላትካ፣ስጋዊ ርክብን መከላኸሊ ጥንስን ሕቶታት እንተሎካ ኾይኑ ናብ ungdomsmottagning ክትከይድ ትኽእል። ከምኡ’ውን ሕማቕ እንተተሰምዑካን ምስ ዝኾነ ሰብ ክትዛረብ ምስ እትደሊን ናብዚ ቦታ ምኻድ ይከኣል።

ዓንቀጽ

ክንክን-ሕማም ምስ ዘድልየካ ከምዚ ግበር

ኩሎም እቶም ኣብ ሽወደን ዝነብሩ ሰባት፤ ኣብቲ ዘድልዮም እዋን ክንክን-ሕማም ክረኽቡ መሰሎም እዩ። ንዓኻ ወይ ንኻልእሰብ፡ ንህይወት ዘስግእ ድንገት ወይ ህጹጽ ሕማም ምስ ዘጋጥም፤ ናብ ቁጽሪ 112 ደውል።

ዓንቀጽ

ኣገልግሎት ሕክምና ንሓተቲ ዑቕባን መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎምን

ንስኻ ኣብ ሽወደን ሓታቲ ዑቕባ ወይ መንበሪ ወረቐት ዘይብሉ ሰብ እንተኾንካ ገለ ናይ ሕክምናን ናይ ስንን ኣገልግሎት ክትረክብ ትኽእል።

To the top of the page