ካብዛ ገጽ ቀልጢፍካ ውጻእ!
ዓመጽን ዘይፍትሓውነትን

ጾታዊ ዓመጽ

Sexualbrott - tigrinska

ምስ ዝኾነ ሰብ ብዘይድልየቱ ዝግበር ጾታዊ ርክብ ጾታዊ ዓመጽ እዩ። ንጾታዊ ዓመጽ እንተ ተቓሊዕኪ ሓገዝ ክትረኽቢ ትኽእሊ።

En person i jeans och t-shirt sitter på golvet, med armarna runt sina knän.  Illustration.

ንጾታዊ ዓመጽ እንተ ተቓሊዕኪ ብፍጹም ናትኪ ጌጋ ኣይኮነን። እንተ ኣጋጢሙኪ ሓገዝን ደገፍን ክትረኽቢ መሰል ኣለኪ።

ኣብነታት ጾታዊ ዓመጽ፣

  • ብዘይ ናታ ድልየት ንኣካላት ካልእ ሰብ ብጾታዊ መገዲ ምትንኻፍ።
  • ንሓንቲ ሰብ ጾታዊ ርክብ ወይ ካልኦት ጾታዊ ነገራት ንኽትፍጽም ምግዳድ።
  • ምስ ድልየቱ ዘየርኣየ ወይ ዘይገለጸ ሰብ ጾታዊ ርክብ ምፍጻም።
  • ንሓንቲ ሰብ ጾታዊ ርክብ ንኽትፍጽም ምፍርራህ።
  • ዝኾነ ካልእ ሰብ ጾታዊ ርክብ እንዳፈጸመ ንሓደ ሰብ ንክርኢ ምግዳድ።
  • ጾታዊ ርክብ ብገንዘብ ምግዛእን ብዝኾነ ነገራት ምልዋጥን ።

ብፍጹም ናትኪ ጌጋ ኣይኮነን

ዝኾነ ካልእ ሰብ ኣብ ልዕሌኺ ዓመጽ እንተ ፈጺሙ ብፍጹም ናትኪ ጌጋ ኣይኮነን። ዝኾነ ይኹን ሰብ ብዘይ ድልየትኪ ምሳኺ ጾታዊ ርክብ ክፍጽም መሰል የብሉን።

  •  ነቲ ሰብ ፍለጥዮ ኣይትፍለጥዮ ብዘየገድስ።
  •  ነቲ ሰብ ኣፍቅርዮ ኣይተፍቅርዮ ብዘየገድስ።
  •  ምስቲ ሰብ ምርዑውቲ ምኳንኪ ብዘየገድስ።
  • እንታይ ከም ትመስሊ ወይ ኣከድናኺ ብዘየገድስ።
  • ኣይፋል ኢልካን ኣይበልካን ብዘየገድስ። እንተዘይተዛሪብካ ወይ ድልየትካ እንተዘይገሊጽካ ዝኾነ ሰብ ምሳኻ ጾታዊ ርክብ ክፍጽም ኣይግባእን።
  •  ኣብ መጀመርያ ሕራይ ኢልኪ ምንባርኪ ብዘየገድስ፡ ኣብ ዝኾነ ግዜ ሓሳባትኪ ቀይርኪ እምቢ! ክትብሊ መሰል ኣለኪ።

ገሊአን ንጾታዊ ዓመጽ ኣብ ዝቓልዓሉ ግዜ የእውያን ይበኣሳን። ከተእውይ ወይ ክትበኣስ ዘይምኽኣል ወይ ዘይምድፋር  ልሙድ እዩ። ድሕሪ ምፍጻሙ ምናልባት ዝያዳ ክቓወም ኔርኒ ትብሊ ትኾኒ። ዋላ ከትእውዪ ወይ ክትብኣሲ ኣይትድፈሪ፡ ኣንጻር ድልየትኪ ክሳዕ ዝኾነ ዓመጽ እዩ።

ብዙሓት ድሕሪ ዓመጽ ሕማቕ ይስምዐን

ድሕሪ ዓመጽ ሕማቕ ክስምዓኪ ልሙድ እዩ። ዝተፈላለያ ሰባት ዝተፈላለየ ግብረ መልሲ የርእያ። እንተ ንዓመጽ ተቓሊዕኪ ኔርኪ ምናልባት ንነብስኺ ምስ ገለ ካብዚኦም ዝስዕብ ተዛምድያ ትኾኒ፣

  • ሕዝንቲ፣ ጭንቕቲ ወይ ሽግርቲ  ኢኻ።
  • ምድቓስ ይኣብየኪ።
  • ኣብ ድቃስኪ ትብህርሪ።
  • ብዙሕ ግዜ ብዛዕባ እቲ ዓመጽ ትሓስቢ።
  • ባዕልኺ ንነብስኺ ሕማቕ ንክስምዓኪ ዝገብረኪ ነገራት ትገብሪ።
  • ቃንዛ ርእስን ኣካላትን ይገብርልኪ።
Två personer sitter nära varandra. Den ena lyssnar på den andra. Illustration.

መብዛሕትኡ ግዜ ክትዛረብሉ ጽብቕ እዩ

ብዛዕባ እቲ ዘጋጠመ ምዝራብ እቲ ዝበለጸ ኣገባብ ጽብቕ ክስምዓኪ ንኽጅምር ዝግበር ነገር እዩ። ብዙሓት መጀመርያ ምስ መሓዛ ወይ ዝኾነ ካብ ስድራ ቤት ክትዛረበሉ ጽብቕ ንክስምዓካ ይገብር እዩ ኢለን ይሓስባ። ገለ ገለ ሰባት ግን ምስ ካልኦት ሰባት ክዛረባሉ ይመርጻ።

ሓደ ሓደ ግዜ ንክትዛረብ ድፍረት ክትረክብ ነዊሕ ግዜ ይወስድ። ዓማጽን ተዓማጽን ዝፋለጡ ክኾኑ ድማ ልሙድ ተርእዮ እዩ። ኣብ ከምዚ ኩነታት ብዛዕባ እቲ ዓመጽ ክትዛረብ ዝያዳ ይኸብድ ይኸውን። ግን እቲ ዘጋጠመ ጌጋ እዩ። ብዛዕብኡ ክትዛረብሉ ግዜ ሓሊፉ እዩ ክትብሊ ድማ ብፍጹም የብልክን።

ሓገዝ ንኽትረኽቢ መሰል ኣለኪ

ጾታዊ ዓመጽ እንተ ኣጋጢሙኪ ሓገዝ ክትረኽቢ መሰል ኣለኪ። እዚ ንዅሉ ይምልከት፣  መን ምዃንኪ  ወይ እቲ ዓመጽ ኣበይ ቦታ ከም ዝተፈጸመ ብዘየገድስ። ብዙሕ ሓገዝ ክተረኽብሉ ትኽእሊ ቦታታት ኣሎ።

 ንኣብነት ምስ skolkoratorn ወይ ዝኾነ ሰብ ኣብ ungdomsmottagning ብምዝራብ ክትጅምሪ ትኽእሊ። እዞም ሰባት እዚኦም ምስ ከምዚ ናትኪ ኵነታት ዘጋጠመን ሰባት ምርኻብ ለሚዶሞ እዮም። ምስጢር ናይ ምዕቓብ ግዴታ ኣለዎም፣ ከምኡ’ውን ብልክዕ መንገዲ ሓገዝ ክህቡኺ ይኽእሉ።

ኣብ Brottsofferjouren ካብ ብቋንቋኺ ዝዛረብ ሰብ ሓገዝ ክትረኽቢ  ትኽእሊ።

መጀመርያ ድሕሪ ምዝርራብኪ ጽብቕ እንተዘይተሰሚዑኪ ተስፋ ኣይትቑረጺ። ምስ ካልእ ሰብ ክትዛረቢ እንደገና ፈትኒ።

ሓኪም ምርኣይ

ድሕሪ ጾታዊ ዓመጽ ሓኪም ምርኣይ ጽብቕ እዩ። እዚ ኣብ akutmottagning ወይ vårdcentral ክትገብርዮ ትኽእሊ። ጓል እንተኾንኪ ድማ ተወሳኺ ኣብ gynekologisk mottagning (ናይ ማህጸን ክኢላ) ክትርኣዪ ትኽእሊ።

ዝኾነ መጉዳእቲ ወይ ተመሓላላፊ ሕማም እንተሓሊፉኪ ኾይኑ ክትፈልጢ ትኽእሊ። ከም ጓል ኣንስተይቲ መጠን ድማ ጠኒስኪ ከይትኾኒ ክትፈልጢ ትኽእሊ። ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ምስ kurator ክትዛረቢ  ትኽእሊ።

ናብ ፖሊስ ከተመልክቲ እንተኾንኪ፡ ሓኪም ምርኣይ ብዝተኻእለ መጠን ቀልጢፍኪ ድሕሪ እቲ ጾታዊ ዓመጽ ክትገብርዮ ኣለኪ።

ፖሊስ ምምልካት

ናብ ፖሊስ ምምልካት ጽብቕ እዩ። እቲ ዝዓመጸኪ ወይ ዝዓመጹኺ ብሕጊ ምእንቲ ክፍረዱ። ዋላ’ውን እቲ ፈጻሚ ገበን ብገበኑ ኣይፈረድ ካሕሳ ክትወሃቢ መሰል ኣለኪ። ካሕሳ ንዓኺ ዝወሃብ ገንዘብ እዩ።

እቲ ዝበለጸ ብዝቐልጠፈ ንፖሊስ ምምልካት እዩ። ኾይኑ ግን ብዙሕ ዓመታት ዋላ ይሕለፍ ከተመልክቲ ትኽእሊ ኢኺ።

ብውልቕኺ ናብ ፖሊስ ከተመልክቲ ትብዓት እንተ ሲኢንኪ ሓገዝ ክትረኽቢ ትኽእሊ ኢኺ። ንኣብነት ካብ ዝኾነ ኣብ ungdomsmottagning፡ ቤት ትምህርቲ ወይ vårdcentral ዝሰርሕ ሰብ።

ካብ ዓማጺኺ ትፈርሒ እንተ ኾንኪ

ካብቲ ዝዓመጸኪ ሰብ ትፈርሒ እንተ ኾንኪ ናብ ፖሊስ ከተመልክቲ ጽብቕ እዩ። ሽዑ እቲ ዓማጺ ንኸይረኽበኪ ክኽልከል ይኽእል። እዚ ማለት ከኣ እቲ ሰብ ከይመጸኪ ወይ ብኻልእ መንገዲ ከይረኽበኪ ይኽልከል።

ተወሳኺ ኣብ Youmo

ዓንቀጽ

ናብ ፖሊስ ምምልካት

ንስካ ዝፈጸምካዮ ዝኾነ ዓይነት ገበን ምስ ዚህሉ ወይ ምስክር ናይ ዚኾነ ገበን ምስ እትኸውን ናብ ፖሊስ ክተመልክት ይግበኣካ።

ዓንቀጽ

ስእላዊ መግለጺ: ኣየናይ ’ዩ እቲ ቅቡል ዚበሃል ጾታዊ-ርክባት?

ገለ እዋናት፡ ኣየናይ ጾታዊ-ርክባት ቅቡል ምዃኑን ዘይምዃኑን ንምፍላጥ ኣጻጋሚ እዩ። ኣብዚ ስዒቡ ዚቐርብ፤ ኣየናይ ሕጋዊ ወይ ዘይሕጋዊ ምዃኑ ክትርኢ ኢኻ።

ዓንቀጽ

ክንክን-ሕማም ምስ ዘድልየካ ከምዚ ግበር

ኩሎም እቶም ኣብ ሽወደን ዝነብሩ ሰባት፤ ኣብቲ ዘድልዮም እዋን ክንክን-ሕማም ክረኽቡ መሰሎም እዩ። ንዓኻ ወይ ንኻልእሰብ፡ ንህይወት ዘስግእ ድንገት ወይ ህጹጽ ሕማም ምስ ዘጋጥም፤ ናብ ቁጽሪ 112 ደውል።

To the top of the page