ካብዛ ገጽ ቀልጢፍካ ውጻእ!
ግብረ-ስጋ

መከላኸሊ ካብ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት

Skydd mot könssjukdomar - tigrinska

ጾታዊ ርክብ ኣብ ትፍጽመሉ እዋን ኮንዶም እቲ ልሙድ መከላኸሊ ካብ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት እዩ። እቲ ዝበለጸ እቶም ጸታዊ ርክብ እትፍጽሙ ቅድሚ ጾትዊ ርክብ ምጅማርኩም ብዛዕባ መከላኸሊ ክትዘራረቡ እዩ። መከላኸሊ ካብ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት ሓላፍነት ናይ ክልቴኹም እዩ።

En person håller i en röd, hoprullad kondom som är utplockad ur sin förpackning. Illustration.

ዝተፈላለዩ ዓይነታት ጾታዊ ርክብ ዝተፈላለየ ውሕስነት ኣለዎም

ዝተፈላለዩ ጾታዊ ርክብ ትፍጽመሎም ኣገባባት ኣለዉ። ንኻልእ ሰብ ይኹን ንነብስኻ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት ዘይተማሓላልፈሉ ጾታዊ ርክብ ክትገብር ትኽእል ኢኻ። ምትንኻፋዊ ጾታዊ ርክብ ሓደ ከምዚ ኣገባብ እዩ። ጾታዊ ርክብ ብኣፍ ካብ ንብር ጾታዊ ርክብ ንላዕሊ ዝያዳ ዉሑስ እዩ።

ዝኾነ ካባኹም ቅድሚ ሕጂ ጾታዊ ርክብ ፈጺሙ ዘይፈልጥ እንተ ኾይኑ ብዛዕባ ሕማማት ጾታዊ ርክብ ምሽቓል ኣየድልየኩምን እዩ።

ኮንዶም ኣዝዩ ጽብቕ መከላኸሊ እዩ

ጾታዊ ርክብ ኣብ ትፍጽመሉ ነብስኻ ንምውሓስ ኮንዶም ክትጥቐም ጽብቕ እዩ።  ኮንዶም ቅድሚ ጾታዊ ርክብ ብልዕቲ ወይ ጾታዊ ርክብ መሃንቱስ ኣብ ልዕሊ ዝቐንዐ መትሎ ዝውደ ረቒቕ መከላኸሊ እዩ።

ካብ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት ንምክልኻል ክሳዕ መወዳእታ ጾታዊ ርክብ ኮንዶም ኣብ ቦትኡ ክጸንሕ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።

ኮንዶም ኣብ ፋርማስታት፣ ኪዮስክታትን ናይ መግቢ ዱኳውንትን ኣብ ኢንተርነትን ክግዛእ ይኽእል። ኣብ ዝበዝሑ ungdomsmottagningar ኮንዶም ብነጻ ክትወሃብ ትኽእል።

Femidom

Femidom ንዓቢ ኮንዶም ዝመስል ካልእ ዓይነት መከላኸሊ እዩ። ጾታው ርክብ ኣብ ትፍጽምሉ እዋን ኣብ  ብልዕቲ ተእትውዮ። ብዛዕባ femidomer ብዝያዳ ኣብ መከላኸሊ ጥንሲ ዝብል ኣርእስቲ ከተንብቢ ትኽእሊ።

ተወሳኺ ኣብ Youmo

ዓንቀጽ

ብጾታዊ ርክባት ዝተሓላለፉ ሕማማት

ጾታዊ ሕማማት፡ እቶም ምስ ሰብ ጾታዊ-ርክብ ምስ ገበርካ ዝለግቡኻ እዮም። ጾታዊ-ሕማም ለጊቡኒ ይኸውን ’ዩ ኢልካ ምስ ትጥርጥር፤ ምርመራ ግበር። ክሕግዘካ ዚኽእል መድሃኒታት ኣሎ። እዚ መድሃኒታት፤ ብዙሕ ጊዜ ብነጻ ዚወሃብ እዩ።

ዓንቀጽ

Ungdomsmottagning

ብዛዕባ ኣካላትካ፣ስጋዊ ርክብን መከላኸሊ ጥንስን ሕቶታት እንተሎካ ኾይኑ ናብ ungdomsmottagning ክትከይድ ትኽእል። ከምኡ’ውን ሕማቕ እንተተሰምዑካን ምስ ዝኾነ ሰብ ክትዛረብ ምስ እትደሊን ናብዚ ቦታ ምኻድ ይከኣል።

To the top of the page