ካብዛ ገጽ ቀልጢፍካ ውጻእ!
ግብረ-ስጋ

ምስ ካልእ ሰብ ጾታዊ ርክብ ምፍጻም

Att ha sex med någon - tigrinska

ምስ ሓደ ሰብ ጾታዊ ርክብ ኣብ ትፍጽመሉ ጊዜ ንኽሉ ወገን ጽብቕ ክስምዖ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ንሓደ ሰብ ጽብቕ ዝስምዖ ነቲ ሓደ ዘይምቹእ ክኸውን ይኽእል እዩ። ካልኣይትኻ ብኸመይ ጾታዊ ርክብ ክትፍጽም ከም ትደሊ ስምዓያ። ንስኻ’ውን ኣየናይ ጽብቕ ስምዒት ይፈጥር ንገራን ኣርእያን። ሕማቕ ምስ ዝስምዓካ ከም ዘይትደሊ ንገር።

Två personer på en säng tittar på varandra och tänker "shit, nu händer det!"

ሓደ ሰብ ብኸመይ ይጅምር

ንጾታዊ ርክብ ንእትደልያ ሰብ ክትስዕማ፣ ክትሓቕፋን ክትተናኽፋን ክትደሊ ልሙድ እዩ። ብዙሓት ሰባት ንንውሕ ዝበለ ግዜ ክሰዓዓሙን ክተናኸፉን ይፈትዉ።

ጽብቕ እንተተሰሚዑካ ምናልባሽ ኣካላትካ ንጾታዊ ርክብ ድልው ክኸውን ይኽእል። ኣብ ከምዚ ኩነታት ኣብ ኣካላት እንታይ ከም ዘጋጥም ንምፍላጥ ባህጊ ወሲብኣንብብ።

ዝያዳ ጾታዊ ነገራት ክትገብር ትደሊ እንተ ኾንካ  ንምፍላጥ ንስምዒታትካ ኣንብቦ። ንኣብነት ንሓድሕድ ስምዒታውያን ክፋላት ኣካላትኩም ምትንኻፍ ጽብቕ ስምዒት ክፈጥር ይኽእል። ኣብ ልዕሊ ክዳን ክትተናኸፉ ደስ ዘብል ስምዒት ክፈጥር ይኽእል ይኸውን።

ኣብኦም ክትሰዓምን ክትትንከፍን ዝበዝሕ ግዜ ደስ ዘብሉ ብዙሓት ክፋላት ኣካላት ኣለዉ። እዞም ዝስዕብ ገለ ኣብነታት እዮም፣

  • ኣብ ቅድሚትን ድሕሪትን ናይ ክሳድ
  • ከናፍር
  • ከብዲ
  • ውሽጣዊ ክፋል ሰለፍ
  • ኣጥባት

ንካልኣይትኻ ኣየናይ ጽብቕ ስምዒት ይፈጥር ክትሓታ ትኽእል፣ ንስኻ ባዕልኻ ውን እንታይ ከም ትፈቱ ክትዛረብ ትኽእል። ምናልባሽ ክዳውንቲ ሓድሕድኩም ብምውጻእ ንኣካላት ነፍሲ ወከፍኩም ምድህሳስ ክትቕጽሉ ትደልዩ ትኾኑ።

  ጾታዊ ርክብ መጀመርታ ግዜ

ምስ ካልእ ሰብ ጾታዊ ርክብ ምፍጻም ልምዲ ዘይብልካ እንተ ኾንካ፣ ጾታዊ ርክብ ምፍጻም ከመይ ክኸውን ከም ዝኽእል ምናልባት ብዙሕ ሓሲብካሉ ትኸውን ትኽእል። ገለ ገለ ሰባት ጌጋ ንከይገብሩ ይፈርሑ። ግን ኣፈጻጽማ ጾታዊ ርክብ  ትፈልጠሉ ብዙሕ ዝተፈላለዩ ኣገባባት ኣለዉ።

ኵሉ ከም ዝሓሰብካዮ እንተዘይከይዱ ጸገም የብሉን። ጾታዊ ርክብ ምሉእ ዕድሜኻ ትለማመዶ ንጥፈት እዩ። እቲ  ኣገዳሲ ንስኻን ካልአይትኻን ንሓድሕድኩም ክትሰማምዑ ከለኹም እዩ። እቲ ጾታዊ ርክብ ንዅሉ ወገን ጽብቕ ክስምዖ ኣለዎ። ጽብቕ እንተዘይተሰሚዕኩም ከተቋርጽዎ ኣለኩም።

ጾታዊ ርክብ ክትፍጽሙ እንተ ወሲንኩም ካብ ጥንሲን  ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላላፉ ሕማማትን ነብስኹም ክትከላኸሉላ ክትሓስቡሉ ጽብቕ እዩ።

ኣየናይ ’ዩ እቲ ቅቡል ዚበሃል ጾታዊ-ርክባት?

ገለ እዋናት፡ ኣየናይ ጾታዊ-ርክባት ቅቡል ምዃኑን ዘይምዃኑን ንምፍላጥ ኣጻጋሚ እዩ። ኣብዚ ስዒቡ ዚቐርብ፤ ኣየናይ ሕጋዊ ወይ ዘይሕጋዊ ምዃኑ ክትርኢ ኢኻ።

ተወሳኺ ኣብ Youmo

ዓንቀጽ

መከላኸሊ ጥንሲ

ጥንሲ ንምውጋድ ክትገብርዮም ትኽእሊ ብዙሓት ኣገባባት ኣለዉ። ኣብዚ ዝስዕብ ስእላዊ መግለጺ እቶም ልሙዳት መከላኸሊ ጥንሲ ክትርእዪ ትኽእሊ።

ዓንቀጽ

መከላኸሊ ካብ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት

ጾታዊ ርክብ ኣብ ትፍጽመሉ እዋን ኮንዶም እቲ ልሙድ መከላኸሊ ካብ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት እዩ። እቲ ዝበለጸ እቶም ጸታዊ ርክብ እትፍጽሙ ቅድሚ ጾትዊ ርክብ ምጅማርኩም ብዛዕባ መከላኸሊ ክትዘራረቡ እዩ። መከላኸሊ ካብ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት ሓላፍነት ናይ ክልቴኹም እዩ።

To the top of the page