ካብዛ ገጽ ቀልጢፍካ ውጻእ!
ኣካላት

ብልዕቲ

Snippan - tigrinska

ኣብዚ ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ክፋላትን ኣሰራርሓን ናይ ብልዕቲ ከተንብቢ ትኽእሊ። ብልዕቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ክፋል ናይ ኣካላት እዩ። ብኡኡ ክትሸኒ፣ ጽግያት ክመጸኪ፣ ጾታዊ ርክብ ክትፍጽሚ፣ ቈልዓ ክትወልዲ,፣ ጽብቕ ንክስምዓክን ክገብር ይኽእል።

Snippan visad i genomskärnig från sidan så man ser hur det ser ut på insidan. Utsatt med pilar finns äggstock, äggledare, urinblåsa, klitoris, livmoder, slida och analöppning. Illustration.

ናይ ዝተፈላለዩ ሰባት ደጋዊ ናይ መፍረ ኣካላት ዝተፈላለየ ምስሊ ኣለዎ. ብልዕቲ ዝተፈላለየ ሕብሪን፣ ዓቐንን፣ ዝተፈላለየ ብዝሒ ጸጉርን ክህልዎ ይኽእል። ዝተፈላለየ ምልክታትን ነጠብጣብን ድማ ክህልዎ ንቡር እዩ።

ጾታዊ ርክብ እንተ ፈጺምክን ኣብ ብልዕትኺ ገለ እንተ ኣእቲኽን ኣብ ብልዕትኺ ክርአ ኣይክእልን እዩ።

ብመስትያት ርኣይዮ

ብልዕትኺ ከመይ ከም ዝመስል ትፈልጢ’ዶ? መስትያት ኣብ መሬት ብምቕማጥ ኣብ ልዕሊኡ ተምበርኪኽኪ ኮፍ ብምባል ክትርእዮ ትኽእሊ።

ዝተፈላለዩ ክፋላት ናይ ብልዕቲ

እቶም ደጋዎት ክፋል ናይ ብልዕቲ ክትርእዮም ትኽእሊ ኢኺ።  እቶም ካልኦት ግና ኣብ ውሽጢ ኣካላት እዮም ዝርከብ።

ብልዕቲ ካብ ከብዲ ቁሩብ ትሕት ኢሉ ይጅምር። ኣብዚ ቦታ ንእሽተይ ልምሉምን ብርኽ ዝበለን እዩ፣ ኣብ ጕርዝውና እንተ በጺሕኪ ኣብ ልዕሊኡ ጾጉሪ የብቑል።

ዝስዕብ ስእሊ ዝተፈላለዩ ክፋላት ኣበይ ከም ዝርከቡ የርኢ።

ጕድበ (ጭንቅራ)

ኣብቲ ውሽጣዊ ከናፍር ብልዕቲ ዝራኸበሉ ላዕለዋይ ክፋል ሓደ ንእሽተይ ሕበጥ ኣሎ። እዚ እቲ ደጋዊ ክፋል ጕድበ  እዩ። እቲ ዝዓበየ ክፋል ጕድበ ኣብ ውሽጢ ኣካላት ይርከብ። ምሉእ ክፋል ጕድበ ንጾታ ኣዝዩ  ስምዒታዊ ክፋል እዩ።

 

ሽንቲ ዝወጻሉ ነዃል

ሽንቲ ዝወጻሉ ነዃል ኣብ ትሕቲ ደጋዊ ክፋል ጕድበ ይርከብ።

ርሕሚ

ኣብ ትሕቲ እቲ ሽንቲ ዝወጻሉ ነዃል ካልእ ዓቢ ነዃል ኣሎ፣ እዚ መእተዊ ናይ ርሕሚ እዩ።  ርሕሚ ክሳዕ ጫፍ ማህጸን ዝዝርጋሕ ልምሉምን ጥሉሉን ካናለ እዩ። ኣብ ውሽጡ ቁሩብ ኣታውን ወጻእን ቅርጺ ኣለዎ። ምሉእ ርሕሚ ልምሉም ኮይኑ ክምጠጥ ይኽእል፣ ንኣብነት ጾታዊ ስሚዒትኪ ክመጻኪ ከሎ።

  • ካብ ውሽጢ ርሕሚ ንርሕሚ ጽሩይን ልምሉምን ዝገብሮ ፈሳሲ ይወጽእ፣ እዚ ፈሳሲ flytningar ይበሃል።
  • ውትረት ኣብ ዝገብረልኪ ግዜ ውን ካብ ብልዕቲ ካልእ ፈሳሲ ይወጽእ።  መሸኒት ድማ ጥልቑይ ይኸውን፣ ምትንኻፍን ጾታዊ ርክብን ውን ዝቐለለ ይኸውንን ደስ ዘብል ስሚዒት ይገብርን።
  • ኣብ ግዜ ጽግያት ደም ካብ ርሕሚ እዩ ዝወጽእ።
  • ኣብ ግዜ ጾታዊ ርክብ ኣጻብዕ ወይ መትሎ ኣብ ርሕሚ እዮ ዝኣቱ።
  • ቈልዓ ብርሕሚ እዩ ዝውለድ።

ማህጸን

ርሕሚ ናብ ማህጸን ይመርሕ። መእተዊ ማህጸን ሓደ ሓደ ግዜ ከም ንእሽተይ ከልካሊ ኣብ ውሽጢ ርሕሚ ኮይኑ ክስምዓና ይኽእል። ሓንቲ ዝፈረየት እንቋቕሖ ኣብ ማህጸን እያ ትቕመጥ፣ ምስ ትጠንሲ ድማ ዕሸል ኣብኡ ክዓቢ ይጅምር።

ሻምብቆ ማህጸንን ማህደር እንቋቝሖን

ኣብ ልዕሊ ማህጸን ማህደር እንቋቝሖን ሻምብቆ ማህጸንን ይርከቡ። ኣብ ማህደር እንቋቝሖ ኣዝዮም ብዙሓት እንቓቕሖ ዝኾኑ ዋሃዮታት እንቓቕሖ ይርከቡ።

መሃንቱስ

መሃንቱስ መወዳእታ ናይ መዓናጡ ኮይኑ ቐልቐል ዝወጻሉ ክፋል እዩ።

ብዙሓት ክፋላት ብልዕቲ ንምትንኻፍ ስሚዒታውያን እዮም

ብዙሓት ካብ ክፋላት ብልዕቲን ከባቢኦምን ንምትንኻፍ ስሚዒታውያን እዮም። ብፍላይ ጾታዊ ስምዒትኪ  ኣብ ዝመጸሉ ግዜ። ዝተፈላለዩ ክፋላት ብምትንኻፍ ጾታዊ ዕግበት ክትረኽቢ ትኽእሊ። ንዓኺ ጽብቕ ስምዒት ዝገብረልኪ ባዕልኺ ፈትኒ።

ብልዕቲ ዝተፈላለይ ምስሊ ክህልዎም ይኽእል

ጕርዝውና ምስ ተወድአ ብልዕቲ ምሉእ ዓቐን ዕብየት ይበጽሕ። እዚ ኣብ ሞንጎ 16ን 18ን ዕድመ  የጋጥም።

ምስልን ዓቐንን ብልዒት  ጾታዊ ርክብ ክሳብ ክንደይ ደስ ክብል ከም ዝኽእል ዝኾነ ጽልዋ የብሉን። ንዓኺ ይኹን ወይ ነቲ ምሳኺ ጾታዊ ርክብ ዝፍጽም ሰብ። 

ብልዕቲ ብምውቕ ዝበለ ማይ ሕጸብዮ

ብልዕቲ ብምውቕ ዝበለ ማይ ሕጸብዮ። ሓደ ግዜ ንመዓልቲ እኹል እዩ። ዋላ ኣብ እዋን ጽግያት ነብስኺ ክትሕጸብን ንብልዕትኺ ክትሓጽብዮን ትኽእሊ ኢኺ። ንቈርበት ከንቅጾ ስለ ዝኽእል ሳብና ኣይትጠቐሚ። ብልዕቲ እንተ ነቒጹ ጨና ዘይብሉ ዘይቲ ክትለኽይዮ ትኽእሊ ኢኺ።

ኣካለ-ድንግልና ዝበሃል የለን

ብዙሓት ሰባት ንርሕሚ ዝሽፍን ረቂቕ ኣካሊት ኣሎ ኢሎም ይኣምኑ። ከምኡ ዝበሃል የለን። ከፋት ናይ ርሕሚ ዝተፈላለየ ምስሊ ክህልዎ ይኽእል፣ ዚሽፍን ረቂቕ ኣካሊት ግን የለን።

ብዙሓት ድማ ኣብ  ቐዳመይቲ ጾታዊ ርክብ ደም ካብ ርሕሚ ይወጽእ ኢሎም ይኣምኑ። እተን ዝበዝሓ ኣብ ቐዳመይቲ ጾታዊ ርክበን ኣይደምያን እየን። ደም እንተወጽዩ ግና ርሕሚ ኣዝዩ ስለ ዝጸበበ ክኸውን ይኽእል፣ ምናልባሽ ጾታዊ ስሚዒትኪኣጸቢቑ ስለ ዘይመጸኪ ክኸውን ይኽእል።

ኣብ ርሕሚ ወይ ካልኦት ክፋላት ናይ ኣካልት ጾታዊ ርክብ ከም ዝፈጸምኪ ወይ ገለ ከም ዘእተኺ ክርአ ኣይክእልን እዩ። ሓኪም እንተ ኾነ’ውን ክርእዮ ኣይክእልን እዩ።

ኣብ ልዕሊ ኣካላትኪ ባዕልኺ ትውስኒ

ኣካለ-ድንግልና ኣሎ፣ ኣብ ቐዳመይቲ ጾታዊ ርክብ ድማ ጓል ኣንስተይቲ ክትደሚ ኣለዋ ዝብል ንጾታዊ ርክብ ደቂ ኣንስትዮ ንምቑጽጻር ዝተመስርሐ ጽውጽዋያዊ ሓሳብ እዩ።

ዝኾነ ካልእ ሰብ መዓስን፣ ምስ መንን ጾታዊ ርክብ ከም ትፍጽሚ ክውስነልኪ ቅብል ኣይኮነን። ኣብ ልዕሊ ኣካላትኪ ባዕልኺ ትውስኒ።

ምኽንሻብ - ምኽንሻብ ደቂ ኣንስትዮ

ምኽንሽብ ኣብ ብዙሓት ክፋላት ዓለምና ዘሎ ኣረጊት ባህሊ እዩ። ኣብ ሽወደንን ካልኦት ብዙሓት ሃገራትን ኩልኩል እዩ። ምኽንሻብ ማለት ገለ ክፋል ናይ ብልዕቲ ተኣልዩ ወይ ተሃስዩ ማለት እዩ። ገለ ክፋል ናይ ጕድበን ውሽጣዊ ከናፍር ብልዕትን ተኣልዮም ክኾኑ ይኽእሉ። ንሽንትን ጽግያትን ዝኸውን ንእሽተይ ከፋት ጥራይ ብምግዳፍ ከናፍር ብልዕቲ ብሓደ ተላጊቦም ተሰፍዮም ክኾኑ ይኽእሉ። ገለ ሰብ ንጕድበ ወይ ከባቢኡ ጐዲእዎ  እውን ክኸውን ይኽእል።

ምኽንሻብ ዝተፈላለዩ ጸገማት ከስዕብ ይኽእል። ንስኺ ዝተኸንሸብኪ ንኣብነት ኣብ ብልዕትኺ ቓንዛ ክገብረልኪ ይኽእል። ክትሸኒን ጽግያት ክህልወኪ ከሎን ኣሸጋሪን ኣቐንዛውን ክኸውን ይኽእል። ምናልባሽ ግብረ ሕብእ ወይ ጾታዊ ርክብ ክትፍጽሚ ከለኺ ደስ ዘየብል ስምዒት ክኸውን ይኽእል። ስነ ኣእምሮኣዊ ሕማቕ ክስምዓኪ ይኽእል።

ንዝተኸንሸብክን ሕማቕ ዝስምዓክን  ጽብቅ ሓገዝ ኣሎ።

ክትሓቲ ወይ ክትምርመሪ እንተ ደሊኺ

ብዛዕባ ብልዕትኺ ሕቶ ኣለኪ? ወይ ብዛዕባ ዝኾነ ነገር ትርበሺ ኣለኺ? ኣብ ከምዚ ኩነታት መልሲ ንምርካብ ሓገዝ ክትሓቲ ጽብቕ እዩ።

ናብ  ungdomsmottagning፣ ማእከል ክንክን ጥዕና፣ ናይ ቈርበት ወይ ክፍሊ ኣካላት መፍረ፣ ክፍሊ መወልዳን፣ ክንክን ደ ኣንስትዮ ወይ ሕክምና ማህጸን ዘለዎ ክፍሊ ክትከዲ ትኽእሊ። ኣብ ውሽጢ ሽወደን ናብ ዝደለኽዮ ክፍሊ ክትከዲ ትኽእሊ።

ገለ ካብዞም ዝስዕብ ምስ ዝህልወኪ ሓገዝ ምሕታት ጽብቅ እዩ፣

  • ቓንዛ ወይ ካልእ ሽግር ምስ ዝህልወኪ።
  • ከናፍር ብልዕቲ ምስ ዘሳሕዩን፣ እሾኻዊ ስምዒት ምስ ዝገብሩን ምስ ዝሓብጡን።
  • ሕማቕ ጨና ዘለዎ ፈሳሲ፣ ንኣሽቱ ዕንካር ዘለዎ ጻዕዳ ፈሳሲ ወይ ሕብሪ ዝቕይሩ ፈሰስትን፣ ብጫ፣ ቐጠልያ፣ ሓመዳዊ ወይ ኣብ ጽግያት ዘይብልኪ ግዜ ምስ ደም ዝተሓዋወሰ ፈሳሲ ምስ ዝህልወኪ።
  • ኣብ ግዜ ጽግያት ብርቱዕ ቓንዛ ምስ ዝህልወኪ፣ ወይ ካልእ ዓይነት ጸገም ጽግያት ምስ ዝህልወኪ።
  • ናይ ምኽንሻብ ጸገም ወይ ሕቶ ብዛዕብኡ ምስ ዝህልወኪ።
  • ምስ ገል ሰብ ዘይውሑስ ጾታዊ ርክብ ፈጺምኪ ስለ ዝነበርኪን ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት ተለኺፍኪ ከይትኾኒ ምስ ትጥርጥርን።
  • ቓንዛ ዝገብር ነጠብጣብ ወይ በሰላ ምስ ዝህልወኪ።
  • ኣብ ከናፍር ብልዕቲ ገለ ተሪር ነገር ምስ ዝስምዓኪ።

ኣድላዩ ተኾይኑ ብልዕትኺ ክትምርመሪ ትኽእሊ። ከምዚ ዓይነት መርመራ፣ መርመራ ማህጸን ይበሃል። ኣብ መርመራ ማህጸን ከም ዝጸናሕኪ ዝኾነ ሰብ ክርእዮ ወይ ክፈልጥ ኣይክእልን እዩ።

ጾታዊ ኣካል ጓልኣስተይቲ

እዚ ፊልም ካብ RFSU እዩ

RFSU: ከባቢ ርሕሚ ይሕብር

እዚ ፊልም ካብ RFSU እዩ

ተወሳኺ ኣብ Youmo

ዓንቀጽ

ስእላዊ መግለጺ: ዝኾነ ኣካለ-ድንግልና ዝብሃል የለን።

ንኣብነት ጾታዊ ርክብ ከም ዝፈጸምኪ ወይ ታምፖን ከም ዝተጠቀምኪ ኣብ ርሕሚ ክርአ ወይ ክድህሰስ ኣይክእልን እዩ። ርሕሚ ክፉት ስለ ዝኾነ እተን ዝበዝሓ ኣብ ቀዳማይ ጾታዊ ርክበን ኣይደምያን እየን።

ዓንቀጽ

Ungdomsmottagning

ብዛዕባ ኣካላትካ፣ስጋዊ ርክብን መከላኸሊ ጥንስን ሕቶታት እንተሎካ ኾይኑ ናብ ungdomsmottagning ክትከይድ ትኽእል። ከምኡ’ውን ሕማቕ እንተተሰምዑካን ምስ ዝኾነ ሰብ ክትዛረብ ምስ እትደሊን ናብዚ ቦታ ምኻድ ይከኣል።

ዓንቀጽ

መከላኸሊ ጥንሲ

ጥንሲ ንምውጋድ ክትገብርዮም ትኽእሊ ብዙሓት ኣገባባት ኣለዉ። ኣብዚ ዝስዕብ ስእላዊ መግለጺ እቶም ልሙዳት መከላኸሊ ጥንሲ ክትርእዪ ትኽእሊ።

To the top of the page