ካብዛ ገጽ ቀልጢፍካ ውጻእ!
ኣካላት

ምንጻል ጥንሲ

Abort - tigrinska

ምንጻል ጥንሲ ማለት ንሓደ ጥንሲ ምቍራጹ ማለት እዩ። ንስኺ ጠኒስኺ ዘሎኺ ነቲ ጥንሲ ክትሰድዮ ትደልዪ እንተ ኾንኪ ባዕልኺ ኢኺ ትውስኒ። ጥንሲ ምንጻል ናይ ዕድመ ገደብ የብሉን። ሓደ ምንጻል ጥንሲ፡ ኣብ መጻኢ ጥንሲ ንምሓዝ ኣየኽብዶን እዩ። ንሓደጋ ምብርዓን ጥንሲ እውን ኣየዛይዶን እዩ።

Två personer i en soffa håller om varandra. Illustration.

ንስኺ ጠኒስኪ ዘሎኺ ባዕልኺ ትውስኒ

ኩሉ ጊዜ ንስኺ ጠኒስኪ ዘሎኺ ኢኺ ንጥንስኺ ክትንጽልዮን ዘይክትንጽልዮን ባዕልኺ ትውስኒ። ኣብ ዝኾነ ግዜ ቕድሚ ምንጻል ጥንሲ ምፍጻሙ ድማ ሓሳብኪ ክትቕይሪ መሰል ኣሎኪ።

ጥንሲ መዓስ ክንጽሎ ይኽእል?

ጥንሲ ካብታ መጀመርያ መዓልቲ ናይታ መወዳእታ ጽግያት ይቑጸር። ክሳዕ መበል 18 ሰሙን ጥንሲ ድማ ንዝኾነ ይኹን ሰብ ምኽንያት ከይነገርኪ ክትንጽልዮ መሰል ኣሎኪ።

ድሕሪ መበል 18 ሰሙን ጥንሲ ግን በዓል መዚ ጥዕናን ማሕበራዊ ውሕስነትን ፍቓድ ናይ ምንጻል ጥንሲ ክህብ ኣልዎ።

በዓል መዚ ጥዕናን ማሕበራዊ ውሕስነትን ሓደ ድቂ ካብ ኣካላት ናይታ ጥንስቲ ወጻኢ ክነብር ዝኽእል እንተኾይኑ ፍቓድ ምንጻል ጥንሲ ክህብ ኣይፍቀዶን እዩ። ስለዚ ድማ እዩ ጥንሲ ድሕሪ መበል 21 ሰሙን ብፍጹም ክንጸል ዘይፍቀድ።

ምንጻል ጥንሲ ዝበዝሕ ግዜ ኣብ ሆስፒታል ይግበር

ምንጻል ጥንሲ ኣብ ክፍሊ ምንጻል ጥንሲ ናይ ሓደ ሕክምና ወይ ኣብ ክፍሊ መወልዳን ይግበር። ሓደ ሓደ ግዜ ገለ ክፋል ናይ ምንጻል ኣብ ገዛ ክግበር ይከኣል። ባዕልኺ ደዊልኪ ቖጸራ ትሕዚ።

ናይ ምንጻል ጥንሲ ሓሳብ እንተለኪ ኾይኑ ምኽሪ ንምርካብ ምስ ungdomsmottagning ወይ ምስ ማእከል ክንክን ጥዕና ርክብ ክትገብሪ ትኽእሊ። ኣብዘን ዝተጠቕሳ ቦታታት ዝርከቡ ሰራሕተኛታት ምስ ክፍሊ ምንጻል ጥንሲ ርክብ ንምግባር ክሕግዙኺ ይኽእሉ።

ምስ ገለ ሰብ ምዝርራብ ጽብቕ እዩ

ብዛዕባ ምንጻል ጥንሲ ዝኾነ ሓሳባትን ስሚዒታትን ክህልወኪ ንቡር እዩ። ቕድምን ድሕርን ምንጻል ጥንሲ ሓገዝ ክትረኽቢ ትኽእሊኢኺ። ኣብ ክንክን ጥዕና ዝሰርሕ ሰብ ክሰምዓክን ናይ ባዕልኺ ውሳነ ንምውሳድ ክሕግዘክን ይኽእል። ዋላ’ውን ነቲ ጥንሲ ክትንጽልዮ እንተወሰንኪ ምስ ዝኾነ ሰብ ምዝርራብ ግን ጽብቕ እዩ።

ዘጥነስካ ሰብ’ውን ናይ ዝርርብ ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል።

ምንጻል ጥንሲ ብክልተ ኣገባብ ክግበር ይከኣል

መድሃኒታዊ ምንጻል ጥንሲ ማለት፡ ነቲ ድቂ ንግዳም ንክወጽእ ዝገብርዎ ክልተ ዝተፈላለዩ ዓይነት ከኒናታት ትውስዲ ማለት እዩ።

መጥባሕታዊ ምንጻል ጥንሲ ማለት ቅልል ዝበለ መጥባሕቲ ብምግባር ንድቂ ምውጻእ ማለት እዩ። እቲ ምንጻል ጥንሲ ኣብ ዝግበረሉ እዋን ንስኺ ዘደንዝዝ መድሃኒት ብምውሳድ ከም ትድቅሲ ይግበር።

ክፍሊት ምንጻል ጥንሲ ክፈላለ ይኽእል

ንምንጻል ጥንሲ ኣብ ዝተፈላለየ ክፋል ናይ ሃገር ዝተፈላለየ ክፍሊት ይሕተት። ኣብ ዝበዝሐ ቦታታት ትሕቲ 18 ምስ ትኾኒ ክትከፍሊ ኣየድልየክን።

ወላዲ (ሞጕዚ) ክፈልጥ ኣለዎ ድዩ?

ኣብ ክፍሊ ምንጻል ጥንሲ ዝሰርሑ ሰባት ምስጢር ናይ ምዕቓብ ግዴታ ኣለዎም፡ ንዝኾነ ሰብ’ውን ምብጻሕኪ ክነግሩ ኣይፍቀዶምን እዩ። ትሕቲ 18 ዓመት እንተ ኾንኪ ግን እቶም ሰራሕተኛታት ዝበዝሕ ግዜ ሓደ መቕርብኪ ዝኾነ ዓቢ ሰብ ጥንሲ ትንጽሊ ምኻንኪ ክፈልጥ ኣለዎ ዝብል ርእይቶ ይህቡኺ እዮም። እዚ ዘመድኪ ወይ ዝኾነ ትፈልጥዮ ከም ኣማኻሪ ወይ ነርስ ቤት ትምህርቲ ክኸውን ይኽእል። ቕድምን ድሕርን ምንጻል ደገፍ ክህብ ዝኽእል ሰብ ምስ ዝኸውን ጽብቕ እዩ።

ድሕሪ ምንጻል ጥንሲ

ድሕሪ ምንጻል ጥንሲ ገለ መዓልታት ምስ ተዕርፊ ዝበለጸ ይኸውን። እታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ኣብ ከብድኺ ንቓንዛ ጽግያት ዝመሳሰል ቓንዛ ክገብረልኪ ይኽእል። ካብ ሰለስተ ክሳዕ ኣርባዕተ ሰሙን ብብልዕቲ ክትደምዩ ትኽእሊ። ኣብ ትደምይሉ እዋን ብብልዕትኺ ርክብ ክትገብሪ ወይ ክትሕምብሲ/ክትሕጸቢ የብልክን። ታምፖን ወይ ኩባያዊ ሞዴስ  ክትጥቐሚ እውን የብልክን።

ሓደ ሓደ ደቂ ኣንስትዮ ድህሪ ምንጻል ጥንሲ ጓሂ ይስምዐን። ገለ ካልኦት ከኣ ሩፍታ ይስምዕን። እዞም ስምዒታት ድሕሪ ቁሩብ ግዜ ክመጹ እውን ይኽእሉ እዮም። ድሕሪ እቲ ምንጻል ጥንሲ ዋላ’ውን ነዊሕ ግዜ እንተ ሓለፈ፡ ሕማቕ ምስ ዝስመዓኪ ደገፍ ንምርካብ  ንኣብነት ምስ ungdomsmottagning ክትራኸቢ ትኽእሊ ኢኺ።

ምንጻል ጥንሲ ኣብ መጻኢ ጥንሲ ንምሓዝ ኣየኽብዶን እዩ። ንሓደጋ ምብርዓን ጥንሲ እውን ኣየዛይዶን እዩ።

 

ተወሳኺ ኣብ Youmo

ዓንቀጽ

Ungdomsmottagning

ብዛዕባ ኣካላትካ፣ስጋዊ ርክብን መከላኸሊ ጥንስን ሕቶታት እንተሎካ ኾይኑ ናብ ungdomsmottagning ክትከይድ ትኽእል። ከምኡ’ውን ሕማቕ እንተተሰምዑካን ምስ ዝኾነ ሰብ ክትዛረብ ምስ እትደሊን ናብዚ ቦታ ምኻድ ይከኣል።

ዓንቀጽ

ምስጢር

ኣብ ክፍልታት ክንክን ትረኽቦም ሰራሕተኛታት ብዛዕባኻ ምስ ካልእ ሰብ ክዛረቡ ወይ ኣብቲ ክፍሊ ዝተመዝገበ ሓበሬታ ከውጽኡ ክልኩል እዩ። እዚ ምዕቓብ ምስጢር ይበሃል። ምዕቓብ ምስጢር ንኹሎም ኣብ ናይ ክንክን ጥዕና ዝሰርሑ ይምልከት።

ዓንቀጽ

መከላኸሊ ጥንሲ

ጥንሲ ንምውጋድ ክትገብርዮም ትኽእሊ ብዙሓት ኣገባባት ኣለዉ። ኣብዚ ዝስዕብ ስእላዊ መግለጺ እቶም ልሙዳት መከላኸሊ ጥንሲ ክትርእዪ ትኽእሊ።

To the top of the page