ካብዛ ገጽ ቀልጢፍካ ውጻእ!

ኣነ

Jag - tigrinska

ኣብዚ ታሕቲ ዚርከብ ዝርዝር ትሕዝቶ:: ንዓኻን ንመሰላትካን ዚምልከቱ ጽሑፋት: ስእልታትን ፊልምታትን ትረክብ።

Current articles

  • ጾታዊ-ዝምባለን፡ ኤች. ቢ. ቲ. ኲዩ.ን (HBTQI)

    ጾታዊ-ዝምባለ ዚበሃል፡ ብዛዕባ ሰባት እንታይ ጾታ ከም ዘሎዎም፤ ንስኻ በየናይ ጾታ ከም ትስሓብን፤ ምስ መን ፍቕሪ ከም ዚሕዘካን፡ ዚዛረብ እዩ። ንስኻ ምስ ዝደሌኻዮ ዓይነት ሰብ ክትፋቐር ወይ ተጻሚድካ ክትነብር፤ መሰልካ ሕልዊ እዩ። እዚ ኣብ ሃገር ሽወደን፤ ኣብ ሕጊ ሰፊሩ ዘሎ እዩ።

  • ማዕርነት

    ኣዋልድን ኣወዳትን ሓደ ዓይነት ዕድልን መሰልን ክወሃቦም ይግባእ። ሕብረተሰብና፡ ክሳዕ ሕጂ ኣብቲ ዝድለ ደረጃ ማዕርነት ኣይበጽሐን። ይኹንእምበር ፡ ከመይ ክኸውን ከም ዚግብኦ ዚገልጹ መደባትን ሕጊታትን ግን ተሓንጺጾም ኣሎዉ።

  • ሰብኣዊ መሰላት

    ሰብኣዊ መሰላት ብዛዕባ ንስኻ ከም ሰብ መጠን ጽብቕ ሂወት ከተሕልፍ ከም ዘሎካ እዩ። ናይ ትምህርትን ሕክምናን መሰል ኣሎካ። ብፍትሒ ክትእለን ኣብ ሓደገኛ ኩነታት ኣብ ትህልወሉ እዋን ድማ ናብ ካልእ ሃገር ክትስደድ መሰል ኣለካ።

  • ስድራ ቤተይ ሰዶመኝነት ወይ ዝኽደኖ ክዳውንቲ ኣይቅበልዎን እዮም፡ ሓግዙኒ!

    ምስ ስድራ ቤተይ ነብሰይ ክመስል ኣይክእልን እየ። ጥብቕ ዝበለ ክዳን ክኽደን ኣይቅበልዎን እዮም። ወዲ ስለ ዝኾንኩ ዝሰማምዓኒ ኣይመስሎምን እዩ። ቁሩብ ብዝያዳ ከም ዝደልዮ ኣብ ዝተኸደንኩሉ እዋን ተቛይቖምንን ኣፈራሪሖምንን።

  • ፊልም: ኣነ ወዲ እየ ይመስለኒ

    ኣሌክስ ከም ወዲ እምበር ከም ጓል ኾይኑ ኣይስምዓን እዩ።

To the top of the page