ካብዛ ገጽ ቀልጢፍካ ውጻእ!
ሓገዝ ምሕታት

ኣገልግሎት ሕክምና ንሓተቲ ዑቕባን መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎምን

Vård för dig som är asylsökande eller papperslös - tigrinska

ንስኻ ኣብ ሽወደን ሓታቲ ዑቕባ ወይ መንበሪ ወረቐት ዘይብሉ ሰብ እንተኾንካ ገለ ናይ ሕክምናን ናይ ስንን ኣገልግሎት ክትረክብ ትኽእል።

En ung person sitter och samtalar med en äldre, vårdpersonal. Illustration.

ትሕቲ 18 ዓመት ዕድመ እንተኾንካ  

ትሕቲ 18 ዓመት ሓታቲ ዑቕባ ወይ መንበሪ ወረቐት ዘይብልካ እንተኾንካ፣ ከም ኩሉ ኣብዚ ሽወደን ዝቅመጥ ህጻን ማዕረ ናይ ሕክምናን ስኒን ኣገልግሎትን ትረክብ። እቲ ዝበዝሐ ናይ ጥዕና ኣገልግሎት ንትሕቲ 18 ዓመት ነጻ እዩ።

ልዕሊ 18 ዓመት ዕድመ እንተኾንካ

 ዕድመኻ 18 ዓመት እንተመሊእካን ሓታቲ ዑቕባ ወይ መንበሪ ወረቐት ዘይብልካ እንተኾንካን፣ እሞ ድማ ሓኪም ጥዕና ወይ ናይ ስኒ ሓኪም ብዘይ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ክጸንሕ ኣይክእልን እዩ ምስ ዝብለካ ክንክን ክትረክብ ትኽእል። ምክትታል ጥዕና ኣደን፣ ምስዳድ ጥንሲን፣ ምኽሪን ምክልኻል ጥንስን ግና ኣብ ዝኾነ እዋን ይወሃበካ።

ናይ ጥዕና ኣገልግሎት ኣበይ ክረክብ እኽእል?

ኣብ ውሽጢ ሽወደን ኣብ ዝኾነ ናይ ሕክምና ማእከል ክትከይድ ትኽእል። 

ገለ ገለ ኣገልግሎት ሕክምና ኣብ vårdcentral ክትረክብ ኣይትኽእልን ኢካ። ኣብ vårdcentral ዘሎ ሓኪም ከመይ ከም ዝግበር ክገልጸልካ እዩ፣ ንኣብነት ሓኪም ዓይኒ፣ ሓኪም ኣእምሮ ወይ ውን ካልእ ስፐሻሊስት ክትረክብ ምስ እትደሊ። 

ከምኡ ውን ናብ ungdomsmottagning ክትከይድ ትኽእል። ኣብዚ ቑጽሪ ተሌፍንን ኣድራሻን ናይ ኩለን 

Ungdomsmottagningar ክርከብ ይከኣል። 

ኣብ ዝኾነ እዋን 1177 ብምድዋል ምኽሪ ክንረክብ ንኽእል። 

ንስኻ ወይ ካልእ ሰብ ኣምቡላንስ ምስ ዝደሊ 112 ደውል። 

ኣገልግሎት ሕክምና ክንደይ ገንዘብ ይሓትት?

  • ኣብ vårdcentral  ዝርከብ ሓኪም ምርካብን ሪፈር ምስ ተባሃልካ ትረክቦ ኣገልግሎት ሕክምናን 50 ክሮነር ይውድእ።
  • ሓኪም ስኒ ምርኣይ 50 ክሮነር ይሓትት።
  • ሓኪም ዝኣዘዘልካ መድሃኒት ንምግዛእ ዝለዓለ 50 ክሮነር ትኸፍል።
  • ኣብ ሕክምና ምስ ትድቅስ ካብ ክፍሊት ነጻ ኢኻ።
  • ሕክምና ንህጻናትን፣ ምክትታል ኣደታት ኣብ ጥንሲን ሕርስን ነጻ እዩ።
  • ተመሓላለፊ ሕማም ምስ ዝህልወካ ፍሉይ ሕክምና ምስ ዘድልየካን ኣገልግሎት ብነጻ ትረክብ።
  • ትሕቲ 18 ዓመት ምስ ትኸውን እቲ ዝበዝሐ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ነጻ እዩ።
  • ክፍሊት ናይ ሆስፒታል ህጹጽ ረዳኤት ካብ ዞባ ናብ ዞባ ይፈላለ።

 መሰል ተርጋሚ ምግባር

ናብ ሕክምና ወይ እንዳ ስኒ ክትከይድ ከለኻ ተርጋሚ ንምርካብ መሰል ኣለካ። ናይ ተርጋሚ ሓገዝ ካብ ክፍሊት ነጻ እዩ።

ንስኻ ወይ ዝኾነ ዝሕግዘካ ሰብ ቅድሚ ናይ ቆጸራ ተርጋሚ ከም ዘድልየካ ክትሕብሩ ይግባእ። ተርጋሚ ብኣካል ወይ ብተለፎን ክትርጉም ይኽእል። ንዝያዳ ሓበሬታ ብዛዕባ ሓገዝ ተርጋሚ ኣብ 1177.se ከተንብብ ትኽእል።

ምስጢራውነት

ኣብ vårdcentral ዝሰርሑ ሰባት ብዘይ ናትካ ፍቓድ ብዛዕባኻ ንካልእ ሰብ ወይ ውን ንመንግስታዊ ጽፍሕታት ክዛረብ ኣይፍቐደሎምን እዩ። እዚ ምስጢራውነት ይበሃል።

ኣብዚ ብምጥዋቕ ብዛዕባ ምስጢራውነት ከተንብብ ትኽእል።

ጥዕናዊ መርመራ

ኩሎም ሓተቲ ዑቕባ ጥዕናዊ መርመራ ንክገብሩ ዕድል ይወሃቦም። እዚ ብነጻ እዩ። ኣብ ሞንጎ ካልኦት ሓለፋታት ንተሓጋጋዚት ሓኪም (ነርስ) ንክትረክብ ይግበር።

መንበሪ ወረቐት ምስ ዘይህልወካ ሕክምናዊ ኣገልግሎም ኣብ ትሓተሉ ጊዜ ጥዕናዊ መርመራ ክትገብር ትደሊ ተኾንካ ትሕተት። እንተዘይሓተቱኻ ድማ ጥዕናዊ መርመራ ክተገብር ከምትደሊ ክትሕብር ትኽእል።

LMA- ካርድ

ሓታቲ ዕቕባ እንተኾንካ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ኣብ ትሓተሉ ጊዜ Migrationsverket ዝሃበካ ካርድ ከተርኢ ኣለካ። እዚ ካርድ እዚ LMA-Kort ይበሃል። LMA-Kort እንተዘይተዋሂቡካ ሓታቲ ዕቕባ ምኻንካ ዘረጋግጽ ካልእ ወረቐት ከተርኢ ትኽእል።

ዝያዳ ሓበሬታ ኣበይ ይረክብ ?

ኣብ FARR, Flyktinggruppernas Riksråd, ብዝተፈላለየ ቓንቓታት ከም ሓታቲ ዕቅባ ወይ ውን ወረቐት ዘይብሉ ሰብ መጠን ብዛዕባ መሰላትካ ዝያዳ ሓበሬታ ክተረክብ ትኽእል።

ብዝያዳ ኣብ 1177.se ከተንብብ ትኽእል። ብዝተፋላለየ ቓንቓታት ሓበሬታ ክትረክብ ይከኣል።

 

To the top of the page