ካብዛ ገጽ ቀልጢፍካ ውጻእ!

ሓገዝ ምሕታት

Att ta hjälp - tigrinska

ኣብዚ ታሕቲ ዚርከብ ዝርዝር ትሕዝቶ:: ንደገፍ ምርካብ ዚምልከቱ ጽሑፋት: ስእልታትን ፊልምታትን ትረክብ።

Current articles

  • ፊልም: Ungdomsmottagning

    ማርያም ብርቱዕ ቃንዛ ጻግነ ኣሎዋ። ኣሌክስ ከም ወዲ እምበር ከም ጓል ኾይኑ ኣይስምዓን እዩ። ኤሚል ክሳብ ክንደይ ሕማቕ ከም ዘሎ ጨሪሹ ምስ ዝኾነ ሰብ ተዛሪቡ ኣይፈልጥን እዩ። ሲሞን ኣብ እዋን ጾታዊ ርክብ መትልኡ ምቕናዕ ከይኣብዮ ተሻቒሉ ኣሎ።። ኣማንዳ ነፍሰ-ጾር ብምዃና ተሻቒላ ኣላ። ኣሊያህን ራዛን ናይ ራዛ ስድራ ንዝምድንኦም ከይቃወምዎ ፈሪሖም ኣሎዉ።

  • Ungdomsmottagning

    ብዛዕባ ኣካላትካ፣ስጋዊ ርክብን መከላኸሊ ጥንስን ሕቶታት እንተሎካ ኾይኑ ናብ ungdomsmottagning ክትከይድ ትኽእል። ከምኡ’ውን ሕማቕ እንተተሰምዑካን ምስ ዝኾነ ሰብ ክትዛረብ ምስ እትደሊን ናብዚ ቦታ ምኻድ ይከኣል።

  • ብሰንኪ ጾታዊ ዝንባለኻ ወይ ጾታዊ መንነትካ ብስድራ ቤትካ ግዳይ ምፍርራሕን ዓመጽን ምስ እትኸውን፡ ክትረኽቦ ትኽእል ሓገዝ ኣሎ

    ስድራኻ፡ ግብረ ሰዶም (homosexuell)፡ ድርብ ጾታዊ (bisexuell)፡ ስግረ ጾታዊ (trans) ወይ ኵይር (queer) ስለ ዝኾንካ፡ ክብረቶም ከይጠፍእ ይፈርሑ ድዮም? ከምኡ ብምዃንካ ባህልኻ ወይ ሃይማኖትካ ካብ ስድራኻ ወይ ሃይማኖታዊ ማሕበርካ ከም እትንጸል ክገብር ይኽእል ድዩ? ወይ ኣዝማድካ ኣብ ልዕሌኻ ምእንቲ ምፍርራሕ ከይገብሩ ወይ ሓይሊ ከይጥቀሙ ብምስጢር ዲኻ ትሕዞ? ነብስኻ ንኽትመስል መሰል ኣለካ። ክትረኽቦ ትኽእል ደገፍን ሓገዝን እውን ኣሎ።

  • ክንክን-ሕማም ምስ ዘድልየካ ከምዚ ግበር

    ኩሎም እቶም ኣብ ሽወደን ዝነብሩ ሰባት፤ ኣብቲ ዘድልዮም እዋን ክንክን-ሕማም ክረኽቡ መሰሎም እዩ። ንዓኻ ወይ ንኻልእሰብ፡ ንህይወት ዘስግእ ድንገት ወይ ህጹጽ ሕማም ምስ ዘጋጥም፤ ናብ ቁጽሪ 112 ደውል።

  • ኣገልግሎት ሕክምና ንሓተቲ ዑቕባን መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎምን

    ንስኻ ኣብ ሽወደን ሓታቲ ዑቕባ ወይ መንበሪ ወረቐት ዘይብሉ ሰብ እንተኾንካ ገለ ናይ ሕክምናን ናይ ስንን ኣገልግሎት ክትረክብ ትኽእል።

  • ምስጢር

    ኣብ ክፍልታት ክንክን ትረኽቦም ሰራሕተኛታት ብዛዕባኻ ምስ ካልእ ሰብ ክዛረቡ ወይ ኣብቲ ክፍሊ ዝተመዝገበ ሓበሬታ ከውጽኡ ክልኩል እዩ። እዚ ምዕቓብ ምስጢር ይበሃል። ምዕቓብ ምስጢር ንኹሎም ኣብ ናይ ክንክን ጥዕና ዝሰርሑ ይምልከት።

  • ናብ ፖሊስ ምምልካት

    ንስካ ዝፈጸምካዮ ዝኾነ ዓይነት ገበን ምስ ዚህሉ ወይ ምስክር ናይ ዚኾነ ገበን ምስ እትኸውን ናብ ፖሊስ ክተመልክት ይግበኣካ።

To the top of the page